ሱዳን፣ ዕጡቓት ተቓወምቲ ነበር ዝጽንበርዎ፣ ዝተወሃሃደ ሰራዊት ከተቕውም’ያ

Radio Erena: 21 June 2021

ሱዳን፣ ካብ ተወርዋሪ እዚ፣ ፖሊስ፣ ኣባላት ጸጥታን ዕጡቓት ተቓወምትን ዝጽንበርዎ ዝተወሃሃደ ሰራዊት ከተቕውም ምዃና ተገሊጹ።

እቲ ብምክትል ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ኣዚዙ ዝተዋህበ ትእዛዝ፣ ነታ ሃገር ኣንጸላልዩዋ ንዘሎ ጸጥታዊ ሓደጋ ኣብ ምግጣምን፣ ድሕሪ መሰጋገሪ ኣብ ዝህሉ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዘገልግልን ከምዝኸውን’ዩ ተመልኪቱ።

እቲ ከም ሓድሽ ዝቐወም ዝተወሃሃደ ሰራዊት ሱዳን፣ ብጀነራል ያሲር ኣል ዓጣ ክእዘዝ’ዩ።

ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን፣ ዝተወሃሃደ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ምቛም፣ ኩሉ ምድላዋት ከጻፍፉ መምርሒ ተዋህቡ ከምዘሎ ወኪል ኣልጀዚራ ካብታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

ድሕሪ ውድቀት ስርዓት በሺር ኣብ ሚያዝያ 2019፣ ካብ በርጌስን ሰራዊትን ብዝተዋጽአ ናይ ልፍንቲ መሰጋግሪ ቤት ምኽሪ እትምራሕ ዘላ ሱዳን፣ ስልጣን ብህዝቢ ናብ ዝተመርጸ መንግስቲ ንምስግጋር፣ ዝመጽእ ዓመት ንምርጫ ምድላዋት ክትገብር’ያ።

ነዚ ንምድላው ድማ ከም ቀዳማይ ስጉምቲ፣ ብሚሊሻታትን ተቓወምቲ ሓይልታት ክምርሑ ዝጸንሑ ዑጡቓት፣ ሃገራዊ ሰራዊት ንምቛም ክወሃሃዱ ከምዘለዎም ክዝተየሉ’ዩ ጸኒሑ።

ኣብ ሱዳን፣ ገዚፍ ወትሃደራዊ ጽልዋ ኣለዎ ተባሂሉ ዝእመነሉ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ፣ ናይ ሰራዊትን ሚሊሻን ባህሪ ዘለዎ፣ ተወርዋሪ እዚ’ዩ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0