ሱዳን፣ ዓጽያቶ ዝጸንሐት ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ኣውራ መንገዲ ክኽፈት ወሲና

Radio Erena: 18 July 2022

መንግስቲ ሱዳን፣ ንኣዋርሕ ዓጽዩዎ ዝጸንሐ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ መስመር ጋላባት- መተማ ክኽፈት ከምዝወሰነ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር -ሱና ኣፍሊጡ።

ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ኣውራ መስመር ተኸፊቱ ዘሎ፣ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ናይ ጸጥታ ምኽኽር ኮሚተ፣ ብ17 ሓምለ ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ’ዩ።

ሱዳን፣ ነቲ ዶብ ክትከፍቶ ዝወሰነት፣ ዕጡቓት ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ኣብ ዘዋስን ከባቢታት መጥቃዕቲ ከምዘየካይዱ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንጀነራል ኣልቡርሃን ድሕሪ ዝኣተወሉ ቃል ‘ዩ ክብል ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ኣረዲኡ።

ኣቦ መንበር ልኡኣላዊ ቤት ምክሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ልቡርሃን፣ ጎኒ ጎኒ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ናይሮቢ ዝተኻየደ ኣኼባ ኢጋድ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ብምርኻብ፣ ክልቲኤን ሃገራት ዘሰሓሕበን ዘሎ ናይ ዶብ ጉዳይ ብዘተ ንምፍታሕ ኣብ ዝብል ነጥቢ ከምዝተመያየጡ ይዝከር።

ሱዳን፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዋስን ዞባ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዛ ሰዓታት እቶ እቶ ኣዊጃ ከምዘላ ይፍለጥ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0