ሱዳን፣ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ክሳብ ሰነ 2020 ጠቕሊሉ ክወጽእ ተማሕጺና

Radio Erena: 29 August 2019

ኣብ ሱዳን ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት፣ ክሳብ ሰነ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ ጠቕሊሉ ክወጻእ፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ተማሒጽኑ።

ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ሕቡራት ሃገራት፣ ዑመር መሓመድ ሰዲግ ኣብ ዘቕረቦ ጻውዒት፣ ኣብ ሱዳን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ምዕቃብ ሰላም ዘይኮይነ፣ ምህናጽ ሰላም’ዩ ዘድሊ ድሕሪ ምባል፣ ሕቡራት ሃገራት ሰራዊቱ ክስሕብ ጸዊዑ።

ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ዳርፉር ካብ 2003 ኣትሒዙ ብዘሎ ግጭትን ሁከትን፣ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዘሕለፎ ውሳኔ መሰረት፣ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ክዋፈር ምውሳኑ ኣይርሳዕን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ብዝሒ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ ሱዳን 5600 ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ቁጽሪ ናብ ኣስታት 4 ሽሕ ንምውራዱ’ዩ ክዝተየሉ ጸኒሑ።

ባይቶ ጸጥታ፣ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ 30 ሰነ 2020 ከብቅዕ፣ ኣብ 2018 እማመ እኳ እንተቕረበ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ግና፣ ዞባ ዳርፉር ሕጂ’ውን ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት’ዩ ዘሎ ብምባል፣ እቲ ተልእኾ ክናዋሕ’ዩ ዝሓትት።

መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ብዘቕርቦ ዘሎ ምሕጽንታ ግና፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሰክፍ ሓደጋ ከምዘየለ ብምጥቃስ፣ ዞባ ዳርፉር ብዝያዳ ንምውሓሱ፣ ሰራዊት መንግስቲ ናብ ዞባ ክዋፈር፣ ዝተነብረ እገዳ ክልዓለሉ የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0