ሱዳን፣ ውድቀት ስርዓት በሺር ንቱርኪ የሻቕል

Radio Erena: 16 April 2019

ኣብ ሱዳን ንፕረዚደንት በሺር ዝኣለየ ወትሃደራዊ ዕልዋ ድሕሪ ምክያዱ፣ ቱርኪ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጸንሓ ጽልዋ ከይትስእን ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዘላ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ቲርኪ፣ ድሕሪ ምእላይ ፕረዚደንት በሺር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ኣብ ሱዳን ዕርቂን ሰላምን ክካየድ’ዩ ጸኒዑ።

ኣንጻር ቱርኪን ቀጠርን ኪዳን መስሪተን ዘለዋ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ግብጽን፣ ነቲ ዝተኻየደ ለውጢ ክድግፋ እንከለዋ፣ ቀጠር ዛጊት መርገጺኣ ብወግዒ ኣይሓበረትን።

ቱርኪ ብሓገዝ ቀጠር፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ወደብ ስዋኪን ናይ ሱዳን ናይ ኣስታት 4 ቢልዮን

 

ዶላር ዝግመት ወትሃደራዊን ሲቪላውን ፕሮጀክታት ከተሰላስል ምንጽንሓ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ንፕረዚደንት በሺር ኣልዩ ዘሎ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ዞባዊን ኣህጉራዊን ፖሊሲታቱ ስለዘይተፈልጠ፣ ቱርኪ ዝጸንሓ ጽልዋታት ከይትስእን ኣብ ስግኣት ትርከብ።

ሓድሽ ውትሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን፣ ምስ ስዑዲ ዓረብ እንተወጊኑ፣ ቱርኪን ቀጠርን ብዘይካ’ቲ ኣብ ሶማል ዝህልወን ንኡስ መደባት፣ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዝጸንሐትን ቦታ ክስእና’የን።

ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ንክልተ ዓመት ዝጸንሐ ግዝይዝያዊ ወትሃደራዊ መንግስቲ ንምቛም፣ ይሰርሕ ከምዘሎ’ዩ ዝገልጽ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ዕልዋ ከምዘይድግፍ እኳ እንተገልጸ፣ ኣመሪካ እትርከብን ሓያሎ ሃገራት፣ ነቲ ዕልዋ ይድግፋ ከምዘለዋ’ዩ ዝንገር።

ህዝቢ ሱዳን፣ ንፕረዚደንት በሺር ጥራይ ዘይኮአ፣ ንኹሎም እቶም ዕልዋ ኣካይዶም ዝርከቡ ሰበ ስልጣናት በሽር’ውን ክእለዩን፣ ምሉእ ናይ ስርዓት ለውጢ ክመጽእን’ዩ ዝጠልብ ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0