መሰጋገሪ ውትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ፈላሚ ዑደቱ የካይድ

Radio Erena: 16 April 2019

ንፕረዚደንት በሺር ዝኣለየ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ።

እቲ ብጀነራል ጀላለዲን ኣል ጣይብ ዝምራሕ፣ ናይ መሰጋገሪ ወትሃደራዊ ባይቶ፣ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወሉ፣ ምስ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋንድን ንምምይያጥ’ዩ ተባሂሉ።

ንክልተ ዓመት ዝጸንሐ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ መስሪቱ ዘሎ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምስ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር፣ ኣብ ጸጥታን ካልእ ዝተፈላለየ ጉዳያት ከምዝተመያየጠ’ውን ተሓቢሩ።

ወትህደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ስልጣኑ ናብ ስቪላዊ መንግስቲ ከሰጋገር ሕብረት ኣፍሪቃ ብኣግኡ ክጽውዕ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ወትሃደራዊ ባይቶ፣ ንፕረዚደንት በሺር ካብ ስልጣን ዝኣለዮ፣ ድሌት ህዝቢ ሱዳን ንምምላእ ደኣ’ምበር፣ ስልጣን ናይ ምሓዝ ባህጊ ከምዘይብሉ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ህዝቢ ሱዳን፣ መራሕቲ ሓደ ውድብ ምቅይያር ዘይኮነ፣ ምሉእ ናይ ስርዓት ለውጢ ብምጥላብ፣ ተቓውሞታቱ ኣብ ምስማዕ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0