ሱዳን፣ ወጻእተኛታት ኣብ ንግዲ ከይዋፈሩ ዝኽልክል ኣዋጅ ኣውጺኣ

Radio Erena: 13 November 2019

መንግስቲ ሱዳን፣ ወጻእተኛታት ኣብ ንግዲ ከይዋፈሩ ዝኽልክል ሓድሽ ኣዋጅ ከምዝዘርግሐ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር፣ ሱና ሓቢሩ።

ሱና፣ ንሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ማዳኒ ዓባስ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ እቲ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ዜግነት ናይ ሱዳን ዘይብሎም፣ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኩሎም ወጻእተኛታት፣ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታትን ሸቐጥን ከይዋፈሩ ዝእግድ’ዩ።

እንተኾነ፣ እቲ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ካብ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ሱዳን ሕጋዊ ፍቓድ ወፍሪን ንግድን ንዘውጽኡ ወጻእተኛታት ኣይምልከትን።

ኣብ ሱዳን፣ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ግብጺን ከምኡ ድማ ካብ ሶርያን ካልኦት ሃገራትን ዝወሓዙ ወጻእተኛታት፣ ናይ ንግዲ ፍቓድ ዘይብሎም ክነሶም፣ ኣብ ዝተፈላለየ ሸቐጥን ንግዳዊ ንጥፈታት ከምዝዋፈሩ ይግለጽ።

እዚ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ንሱዳናውያን ናይ ንግዲ ዕድላት ንምፍጣር ዝዓለመ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናይ ኣስታት 100% ወሰኽ ደሞዝ ወጢኑ ከምዘሎ ሚኒስተር ፋይናንስ ኢብራሂም ኢልባዕዳዊ ኣፍሊጡ።

ንሱ ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ጽገናዊ ለውጥታት ቁጠባ ብዝምልከት፣ መንግስቲ ሱዳን ምስ ፊናንስታውያን ትካላት ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ኣብ ሓያሎ ነጥብታት ኣብ ምርድዳእ ከምዝበጽሐ ብምጥቓስ፣ ንምትግባሩ ደረጃ ብደረጃ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ቁጠባ ሱዳን ንምሕዋይ፣ ኣስታት 5 ቢልዮን ዶላር ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድሊ’ውን ኣስሚርሉ።

ሱዳን 60 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ከምዘላ ብምዝኽኻር ድማ፣ ምስራዝ ዕዳ ሓደ ካብቲ ጾራ እዛ ሃገር ከራግፍ ዝኽእል ውሳኔታት መሻርኽቲ ምዃኑ ኣተሕእሳሲቡ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0