ኤርትራ፣ ካብ ቻይና ብዝተረኽበ ልቃሕ፣ ካብ ዓዲ ጓዕዳድ ናብ ኣቑርደት ዝዝርጋሕ ጽርግያ ይህነጽ ኣሎ

Radio Erena: 13 November 2019

ኩባንያ ቻይና፣ ሰፈኮ፣ ካብ ዓዲ ጓዕዳድ ናብ ኣቑርደት ዝዝርጋሕ፣ 134 ኪሎሜተር ሓድሽ ናይ ቅጥራን ጽርግያ ይሃንጽ ኣሎ።

እቲ ጽርግያ ካብ መንግስቲ ቻይና ብዝተረኽበ ናይ ኣስታት 140 ሚልዮን ዶላር ምወላን ልቃሕን ዝህነጽ ዘሎ ኮይኑ፣ ኣብ ክልተ ዓመታት ክዛዘም ትጽቢት ይግበረሉ።

እቲ 5 ቢልዮን ዶላር ርእሰ ማል ዝውንን መንግስታዊ ኩባንያ ህንጻ ቻይና፣ ካብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ኣትሒዙ፣ ነቲ ጽርግያ ኣብ ምህንጻ ዝዋፈራ፣ ዓበይቲ ናይ ህንጻ መካይን፣ ዶዞራትን ካልእ ማሺነሪታትን ብመንገዲ ወደብ ባጽዕ ክልእኽ ጸኒሑ።

ኩባንያ ሰፈኮ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ብዘይካ ኣብ ህንጻ፣ ኣብ ዕደና፣ ምትካል ፋብሪካ ሰሜንቶን ካልእ ናይ ልምዓት መደባትን ይሳተፍ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብፍላይ ዕደና ወርቂን ነሓስን ዛራ፣ በዚ ናይ ቻይና ኩባንያ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

እንተኾነ፣ እቲ ትካል 70 ሚእታዊት ካብ ሰራሕተኛታቱ ካብ ቻይና ዘምጽእ ምስ ምዃኑ፣ ንኤርትራውያን ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ይፈጥር ከምዘየለ’ዮም ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ወገናት ዘረድኡ።

ኩባንያታት ቻይና፣ ኣብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን’ውን ጽርግያታት ናይ ምህናጽ ካልእ ሰፊሕ መደባት ልምዓትን ኣብ ምክያድ’የን ዝርከባ።

ቻይና፣ ብልቃሕን ምወላን ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ እትገብሮ ዘላ ገዚፍ ናይ ህንጻ ወፍርታት፣ ነዘን ሃገራት ግዳያት ከቢድ ዕዳ ከይትገብረን ተንተንቲ ቁጠባ የጠንቅቑ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0