ሱዳን፣ ወደባት ግብጺ ንኽትጥቀም ዘኽእል ስምምዕ ተኸቲሙ

Radio Erena: 30 December 2020

ሱዳን፣ ንሰደድ ይኹን እታው ዝተፈላለየ ኣቑሑ፣ ወደባት ግብጺን መትረብ ስዌጽን ክትጥቀመ ዘኽእል ስምምዕ ከምዝተኸተመ ንበዓል መዚ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ግብጺ፣ ከማል ነጂም ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ብመሰረት እቲ ክልቲኦም መንግስታት ዝኸተምዎ ስምምዕ፣ ሱዳን ወደባት ግብጺ ብፍላይ ድማ ዓይን ሶካንን ስዌጽን፣ ክትጥቀም ኣብ ርእሲ ምኽኣላ፣ ኣገልግሎታት ናጻ ናይ ንግዲ ዞባን መጽንሒ ኣቑሑትን’ውን ፍሉይ ረብሓታት ክህልዋ ከምዝኽእል’ዩ ተመልኪቱ።

እዚ ስምምዕ፣ ሱዳን ናብ ደገ እትልእኮ ነገራት ይኹን ካብ ወጻኢ ንእትሽምቶ ኣቕሑ፣ ንወደባት ግብጺ ከም መሰጋገሪ ኣብ እትጥቀመሉ እዋን፣ ምሉእ ደገፍ በዓል መዚ ወሃቢ ኣገልግሎታት ወደብ ግብጺ ክትረክብ’ያ።

ሱዳንን ግብጺን፣ ንኣጠቓቕማ ወደብ ብዝምልክተ ውዕል ዝኸተማ፣ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ቅንያት ዝበጽሐኦ፣ ኣብ ወትሃደራዊ፣ ንግዲን ካልእን ዘተኮረ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ’ዩ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0