ሱዳን፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ይርከቡ

Radio Erena: 04 June 2019

ኣብ ሱዳን፣ ከተማ ካርቱም፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ድሕሪ ኣብ ዝተጎሃሃረ ናዕቢ፣ ብውሕዱ 32 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም፣ ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዝርከቡ ሓቢሮም።

ብፍላይ ኣብቲ ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝንቀሳቐስሉ ከባቢ ድየም፣ ነቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ብምምዝማዝ፣ ምጭዋይን ስርቅን ስደተኛታት ከይገንን ስግኣት ከምዘለዎም ሓቢሮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝበዝሐ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ተሰናኺሉ እኳ እንተሎ፣ ናብ ኣብያተ ሸቐጥ ይኹን ካልእ ብፍላይ ቆልዑ በይኖም ከይንቀሳቐሱ’ውን ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም፣  ኣብ ካርቱም ዝምቕማጦም ኤርትራውያን ወለዲ ኣዘኻኺሮም።

ህዝቢ ሱዳን፣ ኣልብሽር ድሕሪ ምፍንቃሉ፣ መንበር ሒዙ ዝርከብ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከሰጋግር ብምጥላብ፣ ከካይዶ ብዝጸንሐ ኣድማ፣ ብ 3 ሰነ ፣ ሰራዊት ብዝኸፈቶ ቶዅሲ ብውሕዱ 32 ሰባት ከምዝተቐትሉ’ዩ ዝግለጽ።

ድሕሪ’ዚ ንመላእ ሱዳን ኣናዒቡ ዘሎ ቅትለት 32 ሰለፈኛታት፣ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ኣዋርሕ ምርጫ ክካየድ ወሲኑ ኣሎ።

እቲ ወትሃደራዊ ባይቶ፣ ኩነታት ሱዳን ክሳብ ዝረጋጋእ ብምባል፣ ንኣስታት 3 ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ’ዩ ምስ ፖለቲካውን ሰልፍታት እታ ሃገር ኣብ ክርክር ጸኒሑ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0