ሱዳን፣ ኣድመኛታት ዘቕረብዎ ጠለባት ክሳብ ዝማልኣሎም፣ ተዓጽዩ ዘሎ ወደብ ፖርት ሱዳንን ኣውራ መንገድታትን ከምዘይከፍቱ ገሊጾም

Radio Erena: 07 October 2021

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ህዝቢ ቤጃ- ናዚሪስ፣ ዘቕረቦ ጠለባት ክሳብ ዝማላእ፣ ዝካየድ ዘሎ ኣድማ ደው ከምዘይብል ኣፍሊጡ።

‘እቲ ቤት ምኽሪ፣ ብሰሉስ 5 ጥቅምቲ ናብ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ኣብ ዝልኣኾ ደብዳቤ፣ ጠለብ ህዝቢ ምብራቕ ሱዳን እንተዘይተማሊኡ፣ ምዕጻው ወደብ ፖርት ሱዳንን ምዕጋት ኣውራ መንገድታትን ክቕጽል ምዃኑ ኣረጋጊጹ።’ ክትብል ራድዮ ዳባንጋ ሓቢራ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ እቲ ህዝባዊ ኣድማ ናብ ሰውራ ክዓርግ ከምዝኽእል’ውን ኣጠንቒቑ።

ናዚሪስ፣ ነዚ መጠንቐቕታ ዝሓዘ ደብዳቤ ናብ ጀነራል ኣልቡርሃን ዝልኣኸ፣ መንግስቲ ንዘቕረብዎ ጠለባት ክምልስ ክሳብ ሰኑይ 4 ጥቅምቲ ዝሃብዎ ናይ ግዜ ገደብ ድሕሪ ምሕላፉ’ዩ።

ኣብ 2020 ኣብ ጁባ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም እታ ሃገር ከምዘይተወከለ ዝገልጽ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ ኣቕሪብዎ ካብ ዘሎ ጠለባት፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ካብ ዝርከብ ዘሎ ጸጋታት እቲ 50% ኣብቲ ዞባ ብፍላይ ድማ ዞባታት ቀይሕ ባሕሪ፣ ገዳርፍን ከሰላን ክውዕል ኣለዎ ዝብል ይርከቦ።

በዚ ቤት ምኽሪ ዝተጸውዐ ሓፈሻዊ ኣድማ፣ ንወደብ ፖርት ሱዳን ብምዕጻውን ካብን ናብን ዘራኽብ ኣውራ መንገድታት ብምዕጻው ንሳልሳይ ሰሙኑ ቀጺሉ ኣሎ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ብሚኒስተራት ዝቖመ ኮሚተ ናብ ፖርት ሱዳን ብምልኣኽ ምስ ኣባላት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ ዘካየዶ ዘተ’ውን ነቲ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዘሎ ውጡር ኩነታት ክፈትሕ ኣይከኣለን።

ካቢኒ ሚኒስተራት ሱዳን፣ ቅድሚ ሳልስቲ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ ዘካይዶ ዘሎ ተቓውሞ ፍትሓውን መሰል ዜጋታትን ምዃኑ እኳ እንተኣመነ፣ እቲ ኣድማ ንረብሓ መላእ ህዝቢ ሱዳን ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ከምዘሎ ግና ኣጠንቂቑ።

ምብራቕ ሱዳን፣ ካብ ብሄረ ቤጃ ብዝኾኑ፣ ቀቢላታት ቢን ዓሚርን ሃደንደዋን ከምኡ ድማ ቤረ ራሻይዳ ዝነብርሉን ምስ ኤርትራ ድማ ብምድርን ባሕርን ዝዳወብ ሓደ ካብቲ ፖለቲካዊ ርግኣት ዘይብሉን ዞባታት ሱዳን’ዩ።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0