ብዩቱብ ንጽልኢን ግጭታትን ዝዕድም መልእኽታት ከተመሓላልፍ ጸኒሓ ዝተባህለት ርዋንዳዊት ን15 ዓመታት ክትእሰር ተፈሪዳ

Radio Erena: 07 October 2021

ብዩቱብ ንጽልኢንግጭታትን ዝዕድም መልእኽታት ከተመሓላልፍ ጸኒሓ ተባሂላ ዝተኸሰሰት፣ ተቓዋሚት መንግስቲ ርዋንዳ፣ ን15 ዓመታት ክትእሰር ተፈሪዳ።

እታ ኢቮን ኢዳማንጅ (Yvonne Idamange)ዝተባህለት ጓል 42 ዓመትን ኣደ 4 ቆልዑ ዝኾነትን ናይ ዩቱብ ነጣፊት፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝወዓለ መጋብኣያ’ያ ብኹሉ ዝቐረበለ ክስታት ገበነኛ ኮይና ስለዝተረኽበት፣ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ክትእሰር ተፈሪዳ።

ንሳ ኣብታ ኢዳማንጅ (Idamange ) ዝሰመየታ ናይ ዩቱበ ቻነል፣ ፍጻሜ ዓሌታዊ ህልቂት ርዋንዳ ብምንእኣስን ግጭትን ጽልኢን ዝዕድም ወረታት ብምንዛሕን ዝርከቦ ብውሕዱ ሽዱሽተ ክስታት’ዩ ቀሪቡላ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ፕረዚደንት ፖል ካጋመ፣ መላኺ ስርዓተ መንግስቲ ከምዝኽተልን፣ ካብቲ ኣብ 1994 ዝተፈጸመ ዓሌታዊ ህልቂት ርዋንዳ ንዝደሓኑ ዜጋታት እታ ሃገር ዝገበሮ ሓገዝ ከምዘይነበረን’ያ ትኸሶ።

ኣብ ዩቱብ፣ ኣስታት 18 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዋ፣ ኢቮን፣ ንባዕላ’ውን ካብ ህልቂት ርዋንዳ ንስክላ ዝደሓነት ምዃና’ያ ትገልጽ።

ኣኽባር ሕጊ ርዋንዳ፣ በቲ ዝፈጸመቶ ገበን ክሳብ 30 ዓመታት ክትእሰር’ዩ ሞጕቱ።

ካብ 2019 ኣትሒዙ፣ ካብ መንግስቲ ምፍርራሕ ይበጽሓ ከምዘሎ ክትገልጽ ዝጸንሐት ኢቫን ኢዳማንጅ፣ ክኣስርዉዋ ንዝመጽኡ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ብምህራም’ውን ተኸሲሳ’ያ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፣ ንሳ ኣብ ዘይተረኽበትሉ፣ ኣብ ከተማ ኪጋሊ ኣብ ዝወዓሎ መጋብኣያ፣ ዘሕለፈላ ናይ 15 ዓመታት ማእሰርቲን 2 ሽሕ ዶላር መቕጻዕትን ብይን፣ 27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ንዝርከብ ፕረዚደንት ካጋመ፣ ንካልኦት ተቓወምቱን ደለይቲ ለውጥን ከም መፈራርሒ ዝጥቀመሉ ኣጋጣሚ ኮይኑ ምህላዉ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ይወቕሱ።

ከም ሁማን ራይትስ ዎች ዝኣመሰሉ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ፣ መንግስቲ ርዋንዳ፣ ብኢንተርነት ንዝነቕፍዎ ዜጋታቱ ምፍርራሕን ምእሳርን ይቕጽሎ ከምዘሎ ከተሓሳስቡ ጸኒሖም’ዮም።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0