ሱዳን፣ ኣንጻር ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ብዝሒ ልዕሊ 80 በጺሑ

Radio Erena: 16 February 2022

ኣብ ሱዳን፣ ኣንጻር እቲ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዝቐጸለሉ፣ ብሓይልታት ጸጥታ ናይ ዝተቐትሉ ሰልፈኛታት ብዝሒ ልዕሊ 80 ከምዝበጽሐ ሰብ ሞያ ሕክምና እታ ሃገር ኣረጋጊጾም።

እቶም ሓካይም ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ነዚ ዘረጋገጹ፣ ካብ 13 ክሳብ 15 ለካቲት፣ ኣብ ከተማታት ካርቱም፣ ኡምዱርማንን ፖርትሱዳንን ኣሽሓት ሰልፈኛታት ኣብ ዝተሳተፍዎ ተቓውሞ፣ ክልተ ተወሰኽቲ ሰባት ካብ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብዝተተኮሰሎም ጠያይቲ ድሕሪ ምቕታሎም’ዩ።

ሱዳናውያን ዳግማይ ዝወደብዎ ተቓውሞ፣ ኣብቲ ፍቑራት ዝጽንብልዎ ቫለንታይን መዓልቲ ፍቑራት ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስለዝነበረ፣ ሓያሎ ካብቶም ሰልፈኛታት ቀይሕ ፍሒኛታትን መዓልቲ ፍቕሪ ሃገርናን ዝብል ታቤላታትን ሒዞም ምንባሮም ናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምጥቃስ፣ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ካብ ካርቱም ሓቢሩ።

ሰልፈኛታት ሱዳን፣ ጸጸኒሑ ብናህሪ ኣብ ዝውድብዎ ዘለዉ ተቓውሞን ኣድማን፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝነሃረሉ፣ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን፣ ቮልከር ፐርትስን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሙሳ ፋኪን ብዛዕባ ፖለቲካዊ ዘተ ንደሞክራስያዊ ምስግጋር ሱዳን ብዝምልከት ምስ መራሒ ናይቲ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን፣ መራሕቲ ፖለቲካውያን ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ኣብ ዝዘተይሉ እዋን’ዩ።

ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ኣብ 2023 ኣብ ዝካየድ ደሞክራስያዊ ምርጫ፣ ከምዘይወዳደርን ስልጣን ብህዝቢ ንዝተመርጸ ሲቪላዊ መንግስቲ ከምዘረክብን ቃል ኣትዩ እኳ እንተሎ፣ ሱዳናውያን ሰልፈኛታት ግና እምነት ከምዘይብሎም ብምግላጽ፣ ብዝቐልጠፈ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ‘ዮም ዝጠልቡ ዘለዉ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0