ኢትዮጵያ፣ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተኣዊጁ ዝነበረ ናይ ህጹጽ እዋን ድንጋጌ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ ተላዒሉ

Radio Erena: 16 February 2022

ፓርላማ ኢትዮጵያ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክልዓል ንዘቕረቦ ጠለብ ኣጽዲቑ።

እቲ ፓርላማ፣ ብሰሉስ 15 ለካቲት ኣብ ዘካየዶ ህጽጽ ኣኼባ፣ ካብ 547 ኣባላቱ፣ እቶም 63 ኣብ ክልላት ትግራይ ዓፈርን ኣምሓራን ሕጂ፣ውን ገና ዘይተረጋገአ ኩነታት ስለዘሎ፣ ንምልዓል እቲ ኣዋጅ ተቓዊሞም።

ይኹን’ምበር፣ እቲ ፓርላማ፣ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብቲ ቅድሚ ስለስተ ኣዋርሕ ዝነበረቶ ኩነታት፣ መንግስቲ ክቆጻጸሮ ኣብ ዝኽእል ዝሓሸ መድረኽ ከምእትርከብ፣ ብቀዳማይ ሚኒስተር ንዝቐረበ እማመ ብምእማን’ዩ ነቲ ኣዋጅ ብዝልዓለ ድምጺ ክልዓለ ወሲኑ።

ሓይልታት ትግራይ፣ ካብ ክልል ትግራይ ተበጊሶም ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ንዝርከቦ ሰፊሕ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ዓፈርን ተቖጻጺሮም፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይግስግስሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን’ዩ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ።

እቶም ሓይልታት ካብ ዝበዝሐ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ዓፈርን ምስ ሰሓቡ፣ ኣብ 26 ጥሪ እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክልዓል ጠሊቡ።

ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን ኣብ ክልል ዓፈር መጥቃዕታት የካይዱ ከምዘለዉ ይግለጽ’ዩ።

ይኹን’ምበር ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝዋስኣሉ ዘሎ ናይ ሰላም ጻዕርታት ይካየድ ምስ ምህላዉ፣ እቲ ኣዋጅ ግዜኡ ከይኣኸለ ክልዓለ ከምዝተደልየ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር የረድኡ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0