ሱዳን፣ ኣብ የመን ዝርከብ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰራዊታ ክትስሕብ ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: 09 December 2019

ሱዳን ኣብ የመን ዝርከብ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰራዊታ ክትስሕብ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዓብደላ ሓምዶክ ኣፍሊጡ።

ንሱ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ዝበዝሐ ክፋል ሰራዊት ሱዳን ካብ የመን ክሰሓብ ምዃኑ እኳ እንተረጋገጸ፣ ኣስታት 5 ሽሕ ሰራዊት ግና ኣብታ ሃገር ክጸንሕ ምዃኑ ሓቢሩ።

ምስሓሰብ ሰራዊት ሱዳን ካብ የመን፣ ስዑዲ ዓረብ ምስ ሱዳን ንዘለዋ ዝምድና ብኣሉታ ክጸሉ ከምዝኽእል ተንተንቲ ይእምቱ።

ዓብደላ ሓምዶክ ኣቐዲሙ ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ፣ ኣብ የመን ዝርከብ ሰራዊት ሱዳን ካብ 25 ሽሕ ከምዘይበዝሐ ጠቒሱ’ዩ።

ሑቲ ብዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ የመን ካብ ዝተዋፈረ ሰራዊት ሱድና ኣስታት 5 ሽሕ ግዳያት ሞትን መቝሰልትን ከምዝገበሮ ይግለጽ።

እቲ ምስ ኢራን ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለዎ ዝንገረሉ ሑቲ፣ ህዝቢ ሱዳን፣ ደቁ ኣብ ዘይመረቶም ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ክኾኑ ክፍቐድ ከምዘይብሉ’ውን ጽዑቕ ፕሮፖጋንዳታት ከካይድ ጸኒሑ’ዩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ’ውን ኣቐዲማ ኣብ ገማግምን ቀይሕ ባሕሪ ናይ የመን ዝነበረ ሰራዊታ ከምዝሓበትን፣ ኣብ ኤርትራን ካልእ ከባቢታት የመንን ብዘሰልጠነቶም ሚሊሻታት ክትክኦ ከምዝፈተነትን ይዝከር።

ኤርትራ እትርከበን 31 ሃገራት ብመሻርኽቲ ዝኣከባ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ የመን ዝጀመርኦ ኵናት፣ ከቢድ ሰብኣዊን ንዋታውን ክሳራታት ኣስዒቡ፣ ብዘዝኾነ ፍረ’ዩ ኣብ ጃላነት በጺሑ።

ብኣናጻሩ፣ ንዝበዝሐ ክፋል የመን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ሑቲ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ስዑዲ ዓረብን ሱዳንን ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ብምፍናው ብዘውርዶ ዘሎ ከቢድ ሰብኣውይን ንዋታን ክሳራታት፣ ወትሃደራዊ ጸብለልታ ወኒኑ ይርከብ።

ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን፣ ብኵናት ክዕወታሉ ንዘይክኣላ ሑቲ፣ ብፖለቲካዊ ዘተ ምቕርራብ ጀሚረን ምህላወን ዲፕሎማሰኛታት የመልክቱ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0