እስራኤል፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕታት፣ ሳዕቤን ምትፍናን ፖለቲካን ኣውራጃን ምዃኑ ተሓቢሩ

Radio Erena: 08 December 2019

እስራኤል፣ ኤርትራውያን ንሓድሕዶም ዘካይድዎ ዘለዉ ብኻራን ካልእን ምጥቕቓዕ፣ ሳዕቤን ናይቲ እናሳዕረረ ዝመጽእ ዘሎ ብፖለቲካን ኣውራጃን ናይ ምትፍናኖም መስርሕ’ዩ ክብሉ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ዝተፈላለዩ ወገናት ካብ ቴልኣቪቭ ሓቢሮም።

ብማሕበራዊ ሜድያታት ዝካየድ ዘሎ ናይ ጽልኢን ቅርሕንትን ዘመተ፣ ኣካል እዚ መስርሕ ምዃኑ’ውን ኣረዲኦም።

ኣብ እስራኤል፣ ኣብዛ ዝሓለፈት ሰሙን ጥራይ፣ ካብ 3 ክሳብ 5 ታሕሳስ፣ ክልተ ኤርትራውያን ብካልኦት ኤርትራውያን ብኻራ ክጥቅዑ እንከለዉ፣ እቲ ሓደ ሆስፒታል ድሕሪ ምብጽሑ ከምዝሞተ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ነቲ ኣብ ከተማ ቴልኣቪቭ፣ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰለስተ ኤርትራውያን ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከምዘለዉ ንፖሊስ ብምጥቃስ ዮርሳሌም ፖስት ሓቢራ።

ራብዓይ ጥርጡር፣ ናብ ፖሊስ ተወሲዱ ምጽራይ ድሕሪ ምክያድ፣ ብኡ ንብኡ ተፈንዩ።

ኣብ እስራኤል፣ ብዘይካ’ቲ ብደገፍትን ተቓወምትን ስርዓት ህግደፍ ዝፍለጥ ክልተ ደምበታት፣ ብኣውራጃ ሓድሕዱ ዝተተፋነነ ሕብረትተሰብ ኤርትራ ከምዘሎ ይንገር።

እዚ ምስቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ከቢድ መነባብሮ ስደት ተደማሚሩ፣ ኤርትራውያን ሓድሕዶም ክሳብ ምጥቕቓዕን ካልእ ጎነጽ ዝተሓወሶ ገበናዊ ስጉምታትን ንምውሳድ ደፋፊኡ ምህላዉ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0