ሱዳን፣ ኣብ የመን ተዋፊሩ ዝጸንሐ ሰራዊታ ትስሕብ ኣላ ተባሂሉ

Radio Erena: 30 July 2019

ሱዳን፣ ንስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ንምድጋፍ ኣብ የመን ኣዋፊራቶ ካብ ዝጸንሐት ገለ ክፋል ሰራዊታ ትስሕብ ከምዘላ ማዕከናት ዜና ዓረብ ገሊጸን።

እተን ማዕከናት ዜና፣ ንኣፈኛ ናይቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ተዋፊሩ ዝርከብ ሰራዊት፣ ብርጋደር ጀነራል ዋዳሕ ኣል ዳቢሽ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረብኦ ጸብጻብ፣ ሰራዊት ሱዳን ካብ ሰለስተ ከባቢታት ስሒቡ ኣሎ።

እቲ ሰራዊት ሱዳን ዝገደፍኦ ከባቢታት፣ ብሓይልታት መንግስቲ የመን ከምዝተተክአ’ውን ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፣ ሱዳን፣ ካብታ ስሕበት ኵናት የመን ምዃና ዝንገረላ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ወደብ ሖደይዳ፣ ሰራዊታ ከምዘይሰሓበት፣ ካልኦት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን መንግስቲ የመን ይጠቕሱ።

ሱዳን፣ ሰራዊታ ካብ የመን ሰራዊታ ትስሕ ከምዘላ ዝግለጽ ዘሎ፣ ሒደት መዓልታት ድሕሪ’ቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝወሰደቶ ኣብ የመን ናይ ዝርከብ ብዝሒ ሰራዊታ ናይ ምቅናስ ስጉምቲ’ዩ።

ብስዑዲ ዓረብ ሕቡራት ኢማራትን ተመሪሑ፣ ኤርትራ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ደገፈን ዝሃባሉ፣ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣንጻረ የመን ዝተወልዐ ኵናት፣ ካብ ሞትን ዕንወትን ሓሊፉ ዝኾነ ወትሃደራውያን ፖለቲካውን ዓወታት ከይተረኽቦ’ዩ ብዘተ ንምፍትሑ ተበግሶታት ዝውሰድ ዘሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0