ሱዳን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ 6 ቢልዮን ዶላር ጥሙር ፕሮጀክታት ንምትግባር ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መባእታዊ ስምምዕ ከቲማ

Radio Erena: 14 December 2022

ሱዳን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ምህናጽ ወደብ ዝርከቦ ናይ ኣስታት 6 ቢልዮን ዶላር ጥሙር ፕሮጀክታት ንምትግባር ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መባእታዊ ስምምዕ ከምዝኸተመት ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ብ13 ታሕሳስ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን AD Ports Group and Invictus Investment ዝተባህለ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ኣብ ካርቱም ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ካብ ፖርት ሱዳን ኣስታት 200 ኪሎሜተር ንሰሜን ርሑቑ ኣብ ዝርከብ ገማግም፣ ወደብ ኣቡ ዓማም ንምህናጽን ንምክያዱን ዘጠቓለለ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ፕሮጀክት፣ ኣብ ከባቢ እቲ ወደብ ናይ ቁጠባ ዞባ ክምስረትን፣ ኣቡ ሓማድ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ወሓዚ ናይል ምስ ዝርከብ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ወፍሪ ዘተኣሳር፣ 450 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ናይ ቅጥራን ጽርግያ ክህነጽን የጠቓልል።

እቲ ፕሮጅከት ኣብ ኣቡዳቢ ዝመደበሩ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኩባንያ ከምዝውነን ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል፣ ዑስማን ዳውን ዓብደል ለጢፍ ገሊጹ።

ካብቲ ኣስታት ናይ 6 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ክካየደሉ ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ ናይ ወደብ ኣቡ ዓማም ፕሮጀክት፣ ሱዳን 30% ጽሩይ መኽሰብ ክትረኽበሉ ምዃና ሚኒስተር ፋይናንስ ሱዳን ጂብሪል ኢብራሂም ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኩባንያ፣ ነቲ ፕሮጅከት ንልዕሊ 20 ዓመታት ከምዝውንኖ ዝተፈላለዩ መርበባት ዜና ሱዳን ኣሚቶም።

እቲ ገዚፍ ወፍርታት ዘጠቃለለ ፕሮጀክት ዝኽተም ዘሎ፣ ስልጣን ብሒቱ ዝርከብ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ሲቪላዊ መንግስቲ ንምቛም ምስ ፖለቲካውያን ሰልፍታት እታ ሃገር ድሕሪ ምስምምዑ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0