ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝጸንሐ ተሪር ሕግታት ሸርዓ ኣፋዅሳ

Radio Erena: 03 December 2019

ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝጸንሐ ተሪር ሕግታት ሸርዓ ዘፋዅስ ኣዋጃት ተውጽእ ኣላ።

እታ ሃገር ነዚ ተውጽእ ዘላ፣ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ነቲ ብእስላማዊ ሕግታት ሸሪዓ ክመርሕ ዝጸንሐ ሃገራዊ ባይቶ ሱዳን ጠቕሊሉ ከምዘፍረሶ ድሕሪ ምእጃኡ’ዩ።

ብመሰረት እቲ ተፋዅሱ ዘሎ ሕግታት ሸሪዓ፣ ስረ ዝወደያ ፣ ክስዕስዓ ወይ ድማ ምስ ደቂተባዕትዮ ሓቢረን ዝተረኽባ ደቂንስትዮ ክግረፋ ይኹን ናብ ማአርቲ ክውሰዳ ዘገድድ መቕጻዕታት ተኣልዩ ኣሎ።

ኣብ እዋን ስርዓት በሺር ብዝተኣታተወ ሕግታት ሸሪዓ፣ ተራ ኣባላት ፖሊስ፣ ኣከዳድንአን ንዘይፈተውዎ ደቂንስትዮ ናብ ፍርዲ ከቕርቡ መሰለ ጸኒሕዎም’ዩ።

እዚ ንደቂንስትዮ ዘዋርድ ሕግታት ምእላዩ ዘሐጎሳ ኣባል ባይቲ ነበርን መምህር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካርቱምን ሳራ ኣቡ፣ መሰላት ደቂንስትዮ ዝብልዓል ንምርግጋጽ ብዙሕ ክስርሓሉ ከምዘለዎ ኣዘኻኺራ።

ንስርዓት በሺር ንምእላይን ወትሃደራዊ ጉጅለ ስልጣን ከይቆጻጸር ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፣ ተሳታፍነት ደቂንስትዮ ካብ 60 ክሳብ 80 ሚእታዊት ብዝሒ ከምዝነበረን’ዩ ዝግለጽ።

ከም ውጽኢቱ፣ ካብዚ ቆይሙ ዘሎ መሰጋገቲ መንግስቲ፣ መሰላት ደቂንስትዮ ንምርግጋጽ ዝጸርሕ ደሞክራስያዊ ኣካይዳን ክህሉ ትጽቢት ከምዘሎ ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር የረድኡ።

ሱዳን፣ ድሕሪ ምእዋጅ ሸሪዓ ኣብ ዘመነ ስርዓት በሺር፣ መሰል ደቂንስትዮ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክገሃስ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ብፍላይ መርዓ ትሕቲ ዕድመ፣ መርዓ ብግዴታ ወይ ምዝራፍ ዝኣመሰሉ፣ ምስ ምግሃስ መሰል ደቂንስትዮን ጾታዊ ዓመጽን ዝተተሓሓዙ በደላት ብብዝሒ ክፍጸሙ ምጽንሖም ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0