ሓዳስ ፕረዚደንት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣህጉራዊ ዑደታ ብኢትዮጵያ ክትፍልም’ያ

Radio Erena: 03 December 2019

ሓዳስ ፕረዚደንት ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ኡሩስላ ቮን ደር ለየን፣ ካብ ዞባ ኤውሮጳ ወጻኢ ናይ መጀመርያ ዑደታ ናብ ኢትዮጵያ ከተቅንዕ’ያ።

ንሳ ናይ መጀመርያ ኣህጉራዊ ዑደታ፣ ንዓርቢ 6 ታሕሳስ፣ ናብ ኢትዮጵያ ክትገብሮ ከምዝወሰነት ብምጥቃስ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እትጸንሓለን ክልተ መዓልታት ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ፣ ተሸላሚ ናይ ሰላም ኖቤል፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ኣፍሪቃ እንኮ ጓለነስተይቲ መራሒት መንግስቲ ምስ ዘላ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ወይዘሮ ሳህለወርቅ ዘውደን ክትራኸብ ምዃና ኣፍሊጣ።

ጀርመናዊት ኡሩስላ ቮን ደር ለየን፣ ብ1 ታሕሳስ 2019፣ ቅድሚ ሳልስቲ’ያ ፕረዚደንት ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ኮይኑ ተሸይማ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፣ ኢትዮጵያ ምስ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ብፍላይ፣ ኣብ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት፣ ደሞክራሲ፣ ሰብኣዊ መሰላትን ልምዓታዊ ምትሕግጋዝን ዘተኮረ ናይ ኣማኢት ሚልዮናት መደባት ከምዘለዎ ይፍለጥ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0