ሱዳን፣ ኣብታ ሃገር ተዋፊሮም ዝርከቡ፣ ኣስታት 4 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ዓቃብ ሰላም ሰራዊት፣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ክወጹ’ዮም

Radio Erena: 13 September 2021

ኣብ መንጎ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ድሕሪ ዝተፈጥረ ዶባዊ ምስሕሓብ፣ ናብ ሱዳን ዞባ ኣብየይ ዝኣተዉ ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ጠቕሊሎም ክወጹ ምዃኖም ተገሊጹ።

ነዚ ንምስላጥ ምድላዋት ይካየድ ከምዘሎ ዘመልከቱ፣ ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት፣ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ብምትካእ ካብ ህንዲ፣ ሊባኖስን ካልኦት ሃገራትን ብዝመጽኡ ወትሃደራት ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ንምትክኦም ኣብ ምዝርራብ ከምዘሎ ኣንፊቶም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ማርያም ሳድቕ ኣል ማህዲ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ምስ ላዕለዎት ኣካላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ዘካየደቶ ዘተ፣ ነቶም ኢትዮጵያውያን ወትሃደራት ንምውጻእን ብሓደሽቲ ንምትክኦምን፣ ብወገኑ ሱዳን ዘድሊ ምትሕብባር ክግበር ምዃኑ ኣረጋጊጻ’ያ።

ሱዳን፣ ነቶም ካብ 2011 ኣትሒዞም፣ ንሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዘሰሓሕብ ዞባ ኣብየይ ተዋፊሮም ዝርከቡ ፣ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ዝተሓቝፉ ልዕሊ 4200 ኢትዮጵያውያን ወትሃደራት፣ ብዝቕልጠፈ ካብ መሬታ ክወጽኡ ትጸቕጠሉ ዘላ ምኽንያት፣ ‘ንሃገራዊ ድሕነተይ’ ስግኣት’ዮም ብዝብል’ዩ።

ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብ 6 ሕዳር 2020 ድሕሪ ዝተወልዐ ዶባዊ ኵናት፣ ሱዳን ንዝበዝሐ እቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ዞባ ኣልፋሽጋ ተቖጻጺራ ትርከብ።

ንክልቲኤን ሃገራት ንምቕርራብ፣ ብሓያሎ ሃገራት ዝተፈተነ ጻዕሪ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣይተዓወትን።

ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ናብ ዘተ ክትቐርብ እንተኾይና፣ ሰራዊት ሱዳን ናብቲ ቅድሚ 6 ሕዳር ዝነበሮ ከባቢታት ክምለስ ቅድመ ኩነት ከተቕርብ እንከላ፣ ሱዳን ድማ ሰራዊታ ኣብቲ ብኢትዮጵያ ተወሪሩ ዝጸንሐ ሉኣላዊ ግዝኣታ ከምዘላ ብምንጻር ከምዘይትወጽእ ትገልጽ።

ስእሊ፡- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0