ሱዳን፣ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ንሓያሎ ሓለፍቲ ተቓወምቲ ውድባት ኣሲሮም

ሱዳን፣ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ንሓያሎ ሓለፍቲ ተቓወምቲ ውድባት ኣሲሮም

Radio Erena: 23 December 2018

 faroukህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ኣብ ዝጎሃሃረሉ ዘሎ እዋን፣ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ንሓያሎ ሓለፍቲ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዉ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ ብቀዳም 22 ታሕሳስ ዝተኻየደ ማእሰርቲ፣ ናይ’ቶም ልፍንቲ መስሪቶም ዘለዉ ተቓወምቲ ውድባት ሓላፊ ፋሩቕ ኣቡ ዒሳ ዝርከቦም 13 ሓለፍቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ብርክት ዝበሉ ተጣበቕቲ መሰላት እውን ኣብ ከተማ ኡምዱርማን ኣኼባ እንዳካየዱ እንከለዉ ብኣባላት ጸጥታ ከምዝተወስዱ፣ ምንጭታት ዜና ካብታ ከተማ ኣመልኪቶም።

ክፍሊ ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ኣኼባ ናዕቢ ከመይ ኢሉ ከምዝቕጽልን ናብ መላእ ሱዳን ከምዝልሕምን ንምግባር ዝተኻየደ’ዩ ብምባል ይገልጾ።

ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣትሒዙ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ሱዳን፣ ንናህሪ ዋጋታት መነባብሮ ብዝምልከት ሰላማዊ ሰልፍታት ክካየድ ቀንዩ’ዩ።

ኣብ ከተማ ኣል ራሓድ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ኮንግረስ ፓርቲ ዝርከቦም ሓያሎ ኣባይቲ መንግስቲ ሱዳን ብናዕበኛታት ብሓዊ ከምዝተቓጸሉ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ይገልጹ።

ካብ 2013 ኣትሒዙ፣ ንናህሪ ዋጋታት ብዝምልከት ብተመሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ዝጀመረ ሰላማዊ ሰልፍታት በብእዋኑ ክለዓል ጀሚሩ’ኳ እንተነበረ፣ መንግስቲ ሱዳን ብዝወሰዶ ጨካን ስጉምቲ፣ ብኡ ንብኡ ክቅህም’ዩ ጸኒሑ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0