ሱዳን፣ ናብ ኤርትራ ክሰግር ዝተታሕዘ መግብን ሃለኽቲ ነገራትን ትህግር

ሱዳን፣ ናብ ኤርትራ ክሰግር ዝተታሕዘ መግብን ሃለኽቲ ነገራትን ትህግር

Radio Erena: 17 January 2018

Aljazeera

ፖሊስ ሱዳን ናብ ኤርትራ ንምስጋር ዝተታሕዘ’ዩ ዝበልዎ ሃለኽቲ ነገራት ከምዝሃገሩ መደበር ቴሌቪዥን ኣልጀዚራ ሓቢራ።

እዚ ተሃጊሩ ዘሎ ሃለኽቲ ነገራት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምስጋር ዝተዳለወ ምንባሩ እታ ማዕከን ዜና ንፖሊስ ሱዳን ብምጥቃስ ገሊጻ።

ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳውባ ከባቢታት ብ5 ጥሪ ድሕሪ ምውጻዋ፣ ናብ ኤርትራ ዝተበገሳ ሓያሎ ናይ ጽዕነት መካይን ተዓጊተን ከምዝጸንሓ ይፍለጥ።

እቲ ከም ዘይቲ፣ ፊኖ፣ ጸባን ካልእን ዝኣመሰለ ዕሹግ መግብታት ዘጠቓለለ ሃለኽቲ ነገራት፣ ብሎሪ ዝዓይነተን መካይን ተጻዒኑ ናብ ኤርትራ ንምስጋር ኣብ ዝተዳለወሉ እዋን’ዩ ኣብ ከባቢ ከሰላ ተታሒዙ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ብኮንትሮባንዳ ናብ ኤርትራ ዝሰግር ዘሎ ሃለኽቲ ነገራት ንቁጠባኡ ይሃስዮ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ብምግላጽ፣ ንምቁጽጻሩ ጽኑዕ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ከጠንቕ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ መንግስቲ ድሕሪ’ዚ ዝሃቦ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ኩሉ’ቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ብምዕጻው፣ ኣብ ዶባት ጽኑዕ ሓለዋ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ ጃማ ኣደም ጃማ ብዛዕባ ምዕጻው ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ኣመልኪቱ ንመደበር ቴሌቪዥን ኣልጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቲ ዶብ ንጸጥታዊ ምኽንያት ከምዝተዓጽወ ብምርግጋጽ፣ ኣብቲ ዞባ ናይ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ ስለዘሎ’ውን ምውፋር ሰራዊት ንብሩ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0