ሱዳን፣ ናብ ተቓወምቲ ሊብያ ዝልኣኸቶ ኣጽዋር ዝጸዓነት ነፋሪት ኣብ ትሪፑሊ ከምዝዓለበት መንግስቲ እታ ሃገር ወቒሱ

ሱዳን፣ ናብ ተቓወምቲ ሊብያ ዝልኣኸቶ ኣጽዋር ዝጸዓነት ነፋሪት ኣብ ትሪፑሊ ከምዝዓለበት መንግስቲ እታ ሃገር ወቒሱ

Radio Erena: 08 September, 2014

Sudan Airfor

ሱዳን ንተቓወምቲ ሊብያ ንምሕጋዝ፣ ኣጽዋር ዝጸዓነት ነፋሪት ከምዝልኣኸት መንግስቲ ሊብያ ወቒሱ።

እታ ኣጽዋር ዝጸዓነት ነፋሪት መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ትሪፖሊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ተቃወምቲ ኣብ ዝርከብ ማቲጋ ዝተባህለ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝዓለበ’ውን እቲ መንግስቲ ገሊጹ።

መንግስቲ ሱዳን’ውን ናብ ሊብያ ነፋርት ከምዝልኣኸ’ኳ እንተተኣመነ፣ እታ ነፋሪት ኣብ ዶብ ሱዳንን ሊብያን ንዘሎ ሓባራዊ ሰራዊት ዘገልግል ወትሃደራዊ ንዋት ምዃኑ’ዩ ጠቒሱ።

ሱዳንን ሊብያን፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብን ኣጽዋርን ንምግታእ ኣብ ዶባተን ሃባራዊ ሰራዊት ከቑማ ከምዝተሰማምዓ ዝዝከር’ዩ።

 

እንተኾነ መግስቲ ሊብያ፣ እታ ነፋሪት ብዘይኣፍልጥኡ ናብ ክሊ ኣየር ሊብያ ከምዝኣተወት ብምጥቃስ፣ ሱዳን ንተቓወምቲ ንምሕጋዝ ዝልኣኸቶ ኣጽዋር ዝጸዓነት ምንባራ ብወግዒ ወቒሱ።

ሙዓመር ቐዛፊ ንተቃወምቲ ሱዳን ብፍላይ ናይ ዳርፉር ይድግፍ ኔሩ’ዩ ብዝብል ነቶም ኣንጻሩ ዝተላዕሉ ተቓወምቲ ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ይገብረሎም ምንባሩ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ተኣሚኑ’ዩ።

ሱዳን ሕጂ ንተቓወምቲ መንግስቲ ሊብያ እትድግፈሉ ምኽንያት የለን ዝበለ ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ኮለነል ኻልድ ኣልሳውርሚ፣ እቲ ብሊብያ ዝቀርብ ዘሎ ክሲ ካብ ዘይምርድዳእ ዝነቀለ’ዩ ክብል ነጺግዎ።

===================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0