ፖለቲከኛታት ወደባዊት ከተማ ካሌ፣ ብሰንኪ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ ወጥሪ ይርከቡ

ፖለቲከኛታት ወደባዊት ከተማ ካሌ፣ ብሰንኪ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ ወጥሪ ይርከቡ

Radio Erena: 08 September, 2014

Calai demo

ኣብ ወደባኢት ከተማ ካሌ፣ ብሰንኪ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተላዕለ ኩነታት፣ ንፖለቲካውያን ሰልፍታት እታ ሃገር ኣብ ወጥሪ የእትዩወን ኣሎ።

ሕሉፍ የማናዊ መርገጺ ዘለዎም ፖለቲከኛታት እታ ከተማ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም መብዝሕቶም ኤርትራውያን ሱዳናውያንን ዝኾኑ ስደተኛታት ህጹጽ ስጉምቲ ክውሰድ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ክውድቡ እንከለዉ፣ ጸጋማዊ መርገጺ ዘለዎም ፖለቲከኛታት ድማ፣ መሰል ስደተኛታት ይተሓለወሎም ክብሉ ኣንጻሮም ዝቐንዐ ጎስጓስ ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

 

ካብ የማናዊ ሰልፊ ዝኾነት ከንቲ ወደባዊት ካሌ ናታሻ ቡሻር፣ ናብ ዓዲ እንግሊ ንምስጋር ኣብታ ከተማ ዝተኣኻኸቡ ስደተኛታት ክእለዉ ብመንግስቲ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ፣ ነቲ ወደብ ንምዕጻው ክትእዝዝ ምዃና ኣጠንቒቓ’ያ።

ብሪጣንያ’ውን እቶም ስደተኛታት ንከይሰግሩ፣ ኣብ ልዕሊ’ቱ ዘሎ ጽኑዕ ሓለዋ፣ ተወስኺ ሓጹር ክትከል ሚኒስተር ኢምግረሽን እታ ሃገር ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ።

እቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ድሕሪ’ዚ ኣንጻሮም ዝካየድ ዘሎ ጎስጓሳት፣ ምስ ህዝቢ ካሌ ጸገም የብልናን፣ ንህዝቢ ካሌ ጸገም የብልናን፣ ንህዝቢ ካሌ ነመስግን፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ጥራይ’ዩ ድሌትና፣ መሰልና ይተሓለወልና…ወዘተ ዘርእስቱ ጭርሖታት እናልዓሉ ኣብታ ከተማ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ካብ ኢጣልያ ናብ ፈረንሳ ዝውሕዙ ዘለዉ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ኣብ ሰሜን ፈረንሳ ኣብ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ካሌ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ፓሪስ፣ ኒስ፣ ግሮኖብል፣ ልዮንን ዲጆንንን ዝኣመሰላ ከተማታትን’ውን ሓደ ካብ ዓቢ መዘራረቢ ኣርእስታት ኮይኑ ይርከብ።

===============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0