ሱዳን፣ ተቓወምቲ ወገናት ዝሓቖፈ ሓድሽ ካቢኔ ሚኒስተራት ቆይሙ

Radio Erena: 09 February 2021

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፣ ኣብ ስምምዕ ጁባ ካብ ዝተሳተፉ ተቓወምቲ ወገናት ዝሓቖፈ ሓድሽ ካቢኔ ሚኒስተራት ኣቝሙ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ንዝነበረ ካቢኔ ሚኒስተራት ብ7 ለካቲት ድሕሪ ምብታን’ዩ፣ ብ9 ለካቲት ሓድሽ መንግስቲ መስሪቱ ዘሎ።

ተቓወምቲ ዝርከብዎም 25 ኣባላት ዝሓቖፈ ሓድሽ ካቢኔ ሚኒስተራት ንምቛም፣ ብኹሉ ወገን ኣብ ሓፈሻዊ ምርድዳእ ከምዝተበጽሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ገሊጹ።

ሓድሽ ካቢኔ ሚኒስተራት ሱዳን፣ ንመራሒ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ምንቅስቓስ ንማዕርነትን ፍትሒን፣ ጂብሪል ኢብራሂም ሚኒስተር ፋይናንስ ክኸውን ኣብዚ ሓድሽ መንግስቲ ከካትቶ እንከሎ፣ ጓሉ ንህቡብ ሱዳናዊ ፖለቲከኛ ሳዲቕ ኣልማህዲ ንዝኾነት ፖለቲከኛ ሚርያም ኣል ማህዲ ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይና ተመዚዛ ኣላ።

ሓድሽ ካቢኔ ሚኒስተራት ሱዳን፣ ካብ ተቓወምቲ ውድባት፣ ሰልፍታትን ምንቅስቓሳትን ብዝተወከሉ ሲቪል ክዕብለል እንከሎ፣ ካብቲ ስልጣን ሃገር ሒዙ ዘሎ ወትሃደራዊ ወገን ድማ ክልተ ጥራይ’ዮም ተጸንቢሮሞ።

ን30 ዓመታት ብፕረዚደንት ዑመር ኣልበሺር ዝተመርሐት ሱዳን፣ ድሕሪ ምውዳቕ እቲ መራሒ ነበር፣ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ኣብ መስርሕ ምስግጋር ዲሞክራሲ’ያ ትርከብ።

ስልጣን ክብሕቱ ዝደልዩ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት እታ ሃገር ድማ ከም ኣውራ ዕንቅፋት ናይቲ መስርሕ ይርኣዩ ምህላዎም ዝተፈላለዩ ወገናት ይወቕሱ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0