ስልጣኑ ብ8 ለካቲት ዘብቅዐ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ንሶማል ከምዘይውክል መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ገሊጾም

Radio Erena: 09 February 2021

ኣብ ሶማል፣ ኣባላት ባይቶ ሓድሽ ፕረዚደንት ክምረጽ ብዘይምኽኣሉ፣ እታ ሃገር ናብ ተወሳኺ ፖለቲካዊ ወጥሪ ትሽመም ከምዘላ ተሓቢሩ።

ስልጣኑ ኣብ 8 ለካቲት ንሓድሽ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ከረክብ ዝነበሮ፣ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራትን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፣ ምርጫ ኣባላት ባይቶ ይኹን ፕረዚደንት ክካየድ ኣይከኣለን።

እቲ ፕረዚደንት፣ ንመራሕቲ ርእስ ምምሕዳራት ፑንትላንድ ጁባላንድን ከም ኣውራ ጠንቂ ዘይምክያድ ምርጫን ተፈጢሩ ናይ ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥርን ይወቕሶም ኣሎ።

ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ፕረዚደንት፣ ናይ ግዳም ሓይልታት’ውን ኣብዚ ተፈጡሩ ዘሎ ወጥሪ ኢድ ከምዘለዎም ኣመልኪቱ።

መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳር ጁባልናድን ፑንትላንድን ብወገኖም፣ ስልጣን ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ብሰኑይ 8 ለካቲት 2021 ስለዘብቅዐ፣ እቲ ፕረዚደንት ንሶማልን ፈደራላዊ መንግስትን ከምዘይውክል ይነጽግዎ ኣለዉ።

እዚ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ርእሰ ምምሕዳራትን ተፈጢሩ ዘሎ ሶማል፣ ምስቲ እታ ሃገር ዘለዋ ጸጥታዊ ሃጓፍን ሰንኮፍ ምምሕዳር መንግስትን፣ እንደገና ናብ ውድቀት ከይተምርሕ ተሰጊኡ ኣሎ።

ሶማል፣ ን22 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ስርዓት ስያድ ባረ ኣብ 1991 ድሕሪ ምውዳቑ፣ እታ ሃገር ናብ ምብትታን ሕንፍሽፍሽን’ያ ወዲቓ።

ንኩለን ‘ተን ዝተፈንጨላን ክፍንጨላ ዝደልያ ዘለዋን ርእሰ ምምሕዳራት ዝጥርፍን ማእከላይ መንግስቲ ንምቛም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ነዊሓ ዓመታት መስርሕ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ዝሓሸ ተስፋ እኳ እንተራእዩ፣ ናብ ድሕሪት ከይምለስ ሓያሎ ወገናት ስክፍትኦም ይገልጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ሶማል፣ ኣብ ከባቢ’ቲ መራሕቲ ርእስ ምምሕዳርት ምስ ፕረዚደንት ፋርማጆ ኣኼባ ዘካይድሉ ዝነበሩ ዞባ፣ ብ8 ለካቲት፣ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 13 ሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ።

ኣብ መንገዲ ዝተጻወደ ነታጕ፣ ብመካይን ንዝጎዓዙ ዝነበሩ ኣባላት ጸጥታ ዞባ ጋልምዱግ፣ ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ሓላፊ ጸጥታ ጀነራል መስዑድ ማሕመዱ ኣረጋጊጹ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0