ሱዳን፣ ብጉዳይ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓብ ብዝምልከት ምስ ኤርትራ ክትዝቲ ከምእትደሊ ተገሊጹ

Radio Erena: 23 April 2021

ሱዳን፣ ብጉዳይ እቲ ምስ ኢትይጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓብ ብዝምልከት ምስ ኤርትራ ክትዝቲ ከምእትደሊ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ሱዳን፣ ‘ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስልታዊ ዝምድና መስሪቱ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ምስሕሓብ ማእከላይ መርገጺ ክሕዝብ’ዩ’ ዝብል እምነት’ዩ ዘለዋ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት፣ ኣብዚ ቀረባ፣ ጀነራል ኣልቡርሃንን ፕረዚደንት ኢሳይያስን፣ ኣብ ካርቱም ቀጥታዊ ዝርርብ ከካይዱ ምዃኖም ኣንፊቶም።

ኣብ ዘሰሓሕብ ዘሎ ዶባት ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ሰራዊት ኤርትራ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ወፊሩ ከምዘሎ፣ ምንጭታት ሱዳን ይጠቕሱ እኳ እንተኾኑ፣ መንግስቲ ሱዳን ግና ብወግዒ ኣይገለጸን።

ኣብ ኵናት ትግራይ ብሓባር ዝሳተፉ ዘለዉ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ግንባር ሱዳን’ውን፣ ኣብ ስለያን ካልእ ወትሃደራዊ ምስጢራትን ርክባት ክህልዎም ከምዝኽእል ይጥቀስ’ዩ።

ሱዳን፣ ምስ ኢትዮጵያ ብዶብ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ስምምዕ ክትበጽሓሉ ዘይክኣለት ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት ‘ውን ኣብ ወጥሪ’ያ ትርከብ።

ምስ ሱዳን ወጊኑ ዝርከብ ፕረዚደንት ግብጺ፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ብዛዕባ’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓባትን ወጥርን ብዝምልከት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ናብታ ሃገር ብምጻሕ ምስኡ ክዘራረብ ንዘቕረቦ ጠለብ፣ ናብ ካልእ እዋን ከምዘሰጋገሮ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ኣቐዲሞም ሓቢሮም’ዮም።

=================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0