ሱዳን፣ ብጉዳይ ምድግጋፍ ምስ ተቓወምቲ ንመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣጠንቒቓ

Radio Erena: 27 April 2017

Bshir Kir

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንዝተፈላለዩ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሱዳን ይድግፍ ኣሎ ክብል መንግስቲ እታ ሃገር ወቒሱ።

መንግስቲ ሱዳን ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ መንግስቲ ጁባ ብፍላይ ከኣ ፕረዚደንት ሳል ቫኪር ንዕጡቓት ተቓወምቲ ይድግፍ ከምዘሎ ክፍሊ ስለያኡ ጭቡጥ ሓበሬታ ከምዘለዎም ሓቢሩ።

ብመሰረት’ቲ ኣብ መግለጺ ዝሰፈረ መርትዖታት፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሮቡዕ 19 ክሳብ ቀዳም 22 ሚያዝያ፣ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት ምስ ሓያሎ ተቓወምቲ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ከተማ ጁባ ርክብ ከምዘካየደ ይጠቕስ።

መንግስቲ ጁባ ምስ ተቓወምቲ ካርቱም ዘካይዶ ዘሎ ርክባት ኣብዝ ሓጸረ እዋን እንተዘየቋሪጽዎ ከኣ ሱዳን ግብረ መልሲ ከምእትወስድ ኣጠንቒቓ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ጎረባብቲ ሃገራት በብእዋኑ ንተቓወምቲ ዳርፉር፣ ብሉ ናይልን ደቡብ ኮርዶፋንን ይድግፋ ኣለዋ ክወቕስ ይስምዓ’ዩ።

Bashir Tamim

ኣብ ካልእ ዜና፣ ጽልዋ ሃገራት ዓረብ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝልዓለ ጥርዙ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ሱዳንን ግብጽን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ናብ ኣሚር ቀጠር ሸሕ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ደብዳቤ ከምዝልኣኸ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ሓቢሮም።

ካብ ፕረዚደንት ሱዳን ዝተላእከ ደብዳቤ ብሮቡዕ 26 ሚያዝያ ናብ ቀጠር፣ ከተማ ኣዶሓ ንኣሚር ቀጠር ዘረከበ ስቴት ሚኒስተር ሱዳን ጀነራል ጣሃ ዑስማን ዓሊ ሓሰን’ዩ።

ምስ ቀጠር ሓርፋፍ ርክብ ዘለዋ ግብጺ፣ ምስ ሱዳን ዘለዋ ዝምድና’ውን ኣብ ዝኸፍአ ደረጅኡ ከምዝበጽሐ’ዩ ዝንገር ዘሎ።

ኣብ ዮርዳኖስ ከተማ ዖማን፣ ኣብ 28 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ኣሚር ቀጠር መደረ ኣብ ዘስምዓሉ ዝነበረ እዋን፣ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ንመደረ እቲ ኣሚር ኣቋሪጹ ካብቲ ኣኼባ ከምዝወጸ ማዕከናት ዜና ኣብቲ እዋን’ቲ ሓቢረን’የን።

ኣሚር ቀጠር ብ10 ሚያዝያ ናብታ ምስ ግብጺ ብጉዳይ ናይል እትሰሓሓብ ዘላ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ፣ ቀጠር ምስ ኢትዮጵያ ስትራቴጅያዊ ዝምድና ምምስራታ ኣብ ቅኑዕ መኣዝን’ያ ዘላ ክብል ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ሱዳን’ውን ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ምስ ግብጺ ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ጸጥታን ክልትኣዊ ሽርክነትን ዘተኮረ ጥቡቕ ዝምድና ትምስርት ከምዘላ፣ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ዑደት ፕረዚደንት ሱዳን ናብታ ሃገር ከምዝእንፍት፣ ተንተንቲ ይገልጹ።

========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0