ሱዳን፣ ቀዳማይ ሚኒሰተር ዓብደላ ሓምዶክ፣ ምቅይያር ላዕለዎት ሰበስልጣን ክገብር ምዃኑ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 10 July 2020

ቀዳማይ ሚኒሰተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፣ ምቅይያር ላዕለዎት ሰበስልጣን ክገብር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ዓብደላ ሓምዶክ ብሓሙስ 9 ሓምለ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ 18 ኣባላት ዘለዉዎ ካቢኔ ሚኒስተራት፣ ናይ መዝነት ምቅይያር ክገብረሉ ምዃኑ’ዩ ገሊጹ።

ህዝቢ ሱዳን፣ ድሕሪ ምዕላው ስርዓት ኣልበሽር ዝቖመ ግዚያዊ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ፣ ዝኣተዎ መብጽዓ ኣየተግበረን ብዝብል፣ ዳግማይ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ተቓውሞታቱ ከስምዕ ቀንዩ እዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እውን፣ ‘ህዝቢ ሱዳን ብዝጠለቦ መሰረት’ ብምባል እዩ ነቲ ምቅይያር ስልጣን ካቢኔ ሚኒስተራት ዘካዪድ ዘሎ።

እቲ ብወተሃደራውያን ሓለፍቲ ከምዝተዓብለለ ዝግለጽ ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን፣ ኣብዚ ናይ ሰለስተ ዓመት ናይ መሰጋገሪ እዋን፣ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ከካዪዶ እዩ፣ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝእንፍት።

ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ወተሃደራት ዘይኮኑ ሓለፍቲ ዞባታት ምምዛዝ፣ ከምኡ’ውን ምቛም ሃገራዊ ባይቶ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ መብጽዓታት ገና ኣየተግበረን ዘሎ ክብል’ዩ ህዝቢ ሱዳን መረረኡ ዝገልጽ ዘሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0