ኢትዮጵያ፣ ብዓሌታዊ ግጭት ናይ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ሰባት ቁጽሪ፣ ብዝለዓለ ናህሪ ይውስኽ

Radio Erena: 10 July 2020

ኣብ ኢትዮጵያ ተጎሃሂሩ ብዘሎ ዓሌታዊ ግጭት ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ፣ ናብ 239 ክብ ኢሉ።

ኣህጉራውያን ትካላት ሜድያ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝመሓላልፎኦ ዘለዋ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፣ 4,700 ሰባት እውን ምስቲ ግጭት ብዝተሓሓዝ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ብፍላይ ብተወላዶ ኦሮሞ ኣብ ዝተዓብለለ ከባቢታት ሻሸመኔን ዝዋይን፣ ናይ ዝዓኑ ዘሎ ኣባይትን ዝቃጸል ዘሎ ንብረትን፣ ኣብ ህይወት ኣሽሓት ዜጋታት’ታ ሃገር ከቢድ ጽልዋ ፈጢሩ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

እዚ ዜና’ዚ ናብ ስቱድዮ ክሳብ ዝኣተወሉ ጥራይ፣ ሆቴላትን ንግዳዊ ትካላትን ዘጠቓለለ ልዕሊ 20 ህንጻታት ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነወ ተሓቢሩ።

ድሕሪ ሞት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁዴሳ ዝገንፈለ ቁጠዐ ተወላዶ ኦሮሞ፣ መንግስታዊ ንብረት ጥራይ ዘይኮነ፣ ህዝባዊ ቤት ትምህርታትን ናይ ውልቂ ንግዳዊ ትካላትን ከይተረፈ የዕንዉ ምህላዎም፣ ዋላ’ውን እቲ ግጭት እንተሃደአ፣ በሰልኡ ንነዊሕ ክጸንሕ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

ካብ ብሔር ኦሮሞ ዘይኮኑ ኢትዮጵያውያን፣ ንብረቶም ገዲፎም ነናብ መበቆል ዓድታቶም ይምለሱ ምህላዎም እውን ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና የመልክት።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓለፍቲ ጸጥታን ኣመሓደርትን እቲ ዞባ ቅልጡፍ ስጉምቲ ብዘይምውሳዶም ተሓተትቲ ምዃኖም ይገልጽ እኳ እንተሎ፣ ግጭት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፣ ኪንዮኡ ዝኸይድ ስጉምቲ ከምዘድልዮ፣ ብዝተፈላለዩ ወገናት ይግለጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0