ሱዳን፣ ሰራዊት ዕልዋ ብምክያድ ስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲ ዝበሓተሉ ሓደ ዓመት ብህዝባዊ ናዕቢ ተዘኪሩ

Radio Erena: 26 October 2022

ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ነቲ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር ኣብ ዝቖመ መሰጋገሪ መንግስቲ መላፍንቱ ዝነበረ ሲቪላዊ ወገን ብዕላዋ ብምእላይ ስልጣን ዝበሓተሉ ሓደ ዓመት፣ ብተቓውሞን ህዝባዊ ናዕብን ተዘኪሩ።

እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ኣብ 25 ጥቅምቲ 2021፣ ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ነበር ዝምራሕ ዝነበረ ሲቪላዊ ውገን ብምእላይ፣ ስልጣን ምብሓቱ ኣይርሳዕን።

ህዝቢ ሱዳን፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ ስልጣኑ ነቲ ብሲቪካውያን ማሕበራትን ፖለቲካውና ውድባትን ዝቖመ፣ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ከረክብ ንኣስታት ሓደ ዓመት፣ ኣብ ዘካየዶ ተቓውሞ ልዕሊ 120 ሰለማውያን ሰባት ተቐቲሎም።

ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ሰራዊት ኣብቲ ዝመጽእ ዓመት ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ምርጫኣ ከምዘይሳተፍ ብምጥቃስ፣ ስልጣን ንሲቪላዊ መንግስቲ ከምዘረክብ ተመባጺዑ ኣሎ።

ህዝቢን ፖለቲካውን ውድባትን ሱዳን ግና ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ስልጣኑ ዘደላድል ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ እምነት ከምዘይብሎም’ዮም ዝግለጹ።

ንሱዳን ን30 ዓመታት ዝመርሐ፣ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሺር፣ ኣብ ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ድሕሪ ምእላዩ፣ ሰራዊት፣ ሲቪካውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን፣ ብሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዝተሰምየ ናይ ልፍንቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ቆይሙ።

ብመሰረት እቲ ዝቖመሉ ስምምዕ፣ ሓፈሻዊ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ፣ እቲ መሰጋገሪ መንግግስቲ፣ ዝቐደማ 18 ኣዋርሕ ብወትሃደራውያ ኣዛዚ ክምራሕ ድሕሩ ድማ ነቲ ሲቪላዊ ወገን ከረክብ ኔርዎ።

እንተኾነ፣ ብጀነራል ኣልቡርሃን ምዝራሕ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ነቲ ስምምዕ ብምፍራስ፣ ሓፈሻዊ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ስልጣን ብሒቱ ክጸንሕ ብምውሳን፣ ነቲ ሲቪላዊ ወገን ብዕልዋ ኣልይዎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0