ካምፓላ፣ ትሽዓተ ሰባት ብሕማም ኢቦላ ተለኺፎም

Radio Erena: 26 October 2022

ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ማእከላይ ኡጋንዳ ዝተራእየ ሕማም ኢቦላ፣ ናብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ከምዝኣተወ ሰበ ስልጣን ጥዕና እታ ሃገር ሓቢሮም።

ኣብታ ከተማ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ጥራይ ትሽዓተ ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተለኽፉ ዘረጋገጸ ሚኒስትሪ ጥዕና፣ እቲ ብዝሒ ናብ 14 ክብል ኢሉ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ሸውዓተ ካብቶም ትሽዓተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ’ዮም።

መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም፣ ኣብ ኣብ ማእከላይ ኡጋንዳ ኣብ እትርከብ፣ ዞባ ሙበንደ፣ ብኢቦላ ሓደ ሰብ ከምዝሞተን ሸሞንተ ድማ ከምዝተለኽፉ ምስኣረጋገጸ፣ ለበዳ ከምዝኣወጀ ይዝከር።

እቲ መንግስቲ፣ ድሒሩ ብዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ለበዳ ዘስግእ ከምዘይኮነ እኳ እንተሓበረ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣስታት 1.6 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ናብ ዘለዋ ከተማ ካምፓላ ምስፍሕፍሑ ግና ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።

እዚ ኣብ ኡጋንዳ ድሕሪ 10ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ ተስፋሕፊሑ ከይከውን ዝስጋእ ዘሎ ዓይነት ኢቦላ፣ ብስም እቲ ኣብ 1976፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ከተማ ጁባ ዝተራእየ፣ ብ ‘ሱዳን ኢቦላ ቫይረስ’ ዝፍለጥ’ዩ።

ኢቦላ፣ ከም ረስኒ፣ ቃንዛ መላግቦታት፣ ቅርጥማት፣ ደም ዝተሓወሶ ውጽኣት፣ ተምላስ፣ ምንካይ ሸውሃት፣ ድኻምን ሰሓ ጎሮሮን ዝኣመሰለ ምልክታት ዘለዎ፣ ብቫይረስ ዝመሓላለፍን ውሽጣዊ መድመይቲ ብምስዓብ ዝቐትልን ሕማም’ዩ።

ከም ደም፣ ሺንቲ፣ ቀልቀልን ተምላስን ብዝኣመሰሉ ካብ ውሽጢ ዝትፍኡ ፈሰስቲ፣ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቐሊሉ ዝመሓላለፍ ኢቦላ ቫይረስ፣ ዝተለኽፈ ሰብ ቅልጡፍ ሕክምናዊ ረዲኤት ክረክብ እንተዘይክኢሉ ናብ ሞት ዘበጽሕ ተላባዒ ሕማም’ዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት፣ እዚ ሕማም ብብዝሒን ተደጋጋሚን ዝርኣየሉ ክፋል ዓለምና ምዃኑ ሰነዳት ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0