ሱዳን፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንዝፈተኖ መጥቃዕቲ ከምዘምከነት ገሊጻ

Radio Erena: 26 September 2021

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ንሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውን ከባቢታት ዝፈተኖ መጥቃዕቲ፣ ብሰራዊት ሱዳን ከምዝመኸነ መንግስቲ ሱዳን ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ሱዳን ሎሚ ሰንበት 26 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከባቢታት ኡም ባራኪት ዝፈተኖ መጥቃዕቲ፣ ብሰራዊት ሱዳን ተመኪቱ ድሕሪት ከምዝተመልሰ ጠቒሱ።

ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ጠቕላሊ ኣዛዚ ሰራዊትን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፣ ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቲ መጥቃዕቲ ብቀዳም 25 መስከረም ከምዝፈነዎ ብምሕባር፣ ሰራዊት ሱዳን ግና ሓደ ሰሙን ድሕሪ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ’ውን እንተኾነ፣ ሃገሩ ናይ ምክልኻል ዓቕሙን ብቕዓቱን ከምዘመስከረ ኣስሚርሉ።

ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ዚ ብሱዳን ዝተዋህበ መግለጺ መልሲ ክትህበሉ ትጽቢት ኣሎ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን ካብ 6 ሕዳር 2020 ኣትሒዘን ኣብ ዞባ ኣልፋሺጋ ድሕሪ ዘካየድኦ ዶባዊ ግጭት፣ ሰራዊት ሱዳን ንዝበዝሐ እቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ተቖጻጺርዎ ይርከብ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0