ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ቅርበት ዘለዎ ሶማላዊ፣ ሓላፊ ስለያ ክኸውን ክረቑሕ መደብ ኣለዎ ተባሂሉ

Radio Erena: 27 September 2021

ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓመድ ፋርማጆ፣ ኤርትራዊት በዓልቲ ቤት ንዘላቶን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ጽቡቕ ቅርበት ንዘለዎን ሶማላዊ፣ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ክኸውን ንኽረቑሖ መደበ ከምዘሎ መርበብ ሓበሬታ ጋረወ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ነቲ ዓብደረዛቕ ማሕሙድ ዝተባህለ ኣባል ስለያ፣ ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮብለ ካብ ስልጣኑ ዝተሰጎገ ፋሃድ ያሲን ንምትካእ ከምዝመደበ’ዩ ቲ ምንጪ ዜና ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ፋርማጆ ኣቐዲሙ፣ ምክትል ሓላፊ ስለያ ንዝነበረ ያሲን ፋራይ ከም መተካእታ እኳ እንተረቝሖ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ ስለዝተቓወሞ’ዩ፣ ነቲ ኤርትራዊት በዓልቲ ከምዘላቶን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ቅርበት ከምዘለዎም ዝተገልጸ ዓብደረዛቕ ማሕሙድ፣ ክረቑሕ መዲቡ ዘሎ።

ዓብደረዛቕ ማሕሙድ፣ ብጉዳይ ናይቶም ናብ ኤርትራ ተላኢኾም ዝተባህሉ ኣስታት 7 ሽሕ ሶማላውያን ወትሃደራት ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ንምዝርራብ፣ ተደጋጋሚ እዋን ናብ ኣስመራ ከምዝተመላለሰ ተመልኪቱ።

ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን እታ ሃገር፣ ብጉዳይ ቅትለት ናይታ ናብ ኤርትራ ናይ ዝተላእኩ ወትሃደራት ሶማል ሰነድ ኔርዋ ዝተባህለት፣ ኢክራን ታሕሊል ዝተባህለት ኣባል ስለያ ሶማል ብዝምልከት ኣብ ምስሕሓብ ከምዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ብዛዕባ ቅትለት ናይታ ኣባል ስለያ ብዝምልከት ምሉእ ጸብጻብ ከቕርብ ንዝተዋህቦ ትእዛዝ ከምዘየኽበረ ንዝገለጾ ሓላፊ ስለያ ፋሃድ ያሲን ካብ መዝነቱ ዝሰጎጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮብለ፣ ጎበ ብዝብል ሳጓ ንዝፍለጥ፣ ሉዩተና ጀነራል በሺር መሓማድ ጃማ ከም መተካእታ ረቑሕዎ ከምዘሎ ጋረወ ይገልጽ።

ፕረዚደንት ፋርማጆ ብወገኑ፣ ነዚ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዝተረቑሐ ሓላፊ ስለያ ኣይተቐበሎን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0