ሱዳን፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ሽዱሽተ ወትሃደራት ከምዝተቐትሉዋ ገሊጻ

Radio Erena: 28 November 2021

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ብቀዳም 27 ሕዳር፣ ኣብ ከባቢ ዶብ ብዝኸፈቶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሽዱሽተ ወትሃደራት ሱዳን ከምዝተቐትሉ መንግስቲ ሱዳን ገሊጹ።

‘ኣብ ከባቢ ኣልፋሽጋ፣ ምህርቲ ኣብ ዝሕፈሰሉ ወቕቲ፣ ኣብ ሓለዋ ኣብ ዝነበረ ሰራዊትና ካብ ወገን ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ተፈንይሉ’ ዝበለ መግለጺ ሰራዊት ሱዳን፣ ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ቶኽታዅን ናይ እቶት ወቕቲ ንምዝራግን’ዩ ክብል ወቒሱ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ካብ ወገን ሱዳን፣ ሽዱሽተ ወትሃደራት ‘ኳ እንተተቐትሉን ሓያሎ ድማ እንተቖሰሉን፣ ሰራዊት ሱዳን፣ ጸረ መጥቃዕቲ ብምክያድ፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዱ፣ ንሰራዊትን ሚሊሻታትን ኢትዮጵያ ናብቲ ዝመጽሉ ቦታ ከምዝመለሶም እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ኣብ 6 ሕዳር 2020፣ ኣብ ዶብ ሱዳን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ሰራዊት ሱዳን ንዝበዝሐ እቲ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ጸኒሑ ዝበሎ ከባቢታት ዞባ ኣል ፋሺጋ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘእተወ ይግለጽ።

እቲ ናይ ዶብ ግጭት እናዓረገ ምስ መጸ፣ ክልቲኦም ወገናት ናብ ዘተን ሽምግልናን ንኽቐርቡ ዝተኻየደ ጻውዒት ዛጊት ክዕወት ኣይከኣለን።

ኢትዮጵያ ናብ ዘተን ሽምግልናን ክትቐርብ እንተኾይና፣ ሰራዊት ሱዳን ናብቲ ቅድሚ 6 ሕዳር 2020 ዝነበሮ ከባቢታት ክስሕብ ኣለዎ ዝብል ቅድመ ኩነት ኣቐሚጣ ኣላ።

ሱዳን ብወገና፣ ሰራዊታ ተቖጻጺርዎ ዘሎ ከባቢታት፣ ንሓይሎ ዓመታት ብኢትዮጵያ ተጎቢጡ ዝጸንሐ ሉኣላዊ ግዝኣታ ምዃኑ ብምጥቃስ ከምዘይትስሕብ ኣነጺራ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0