ኢትዮጵያ፣ ከንቲባ ናይታ ደበና ኵናት ኣንጸላልዩዋ ዘሎ ከተማ ደብረብርሃን ምስ ህወሓት ርክብ ኣለካ ብዝብል ጥርጣር ከምዝተኣስረ ተሓቢሩ

Radio Erena: 29 November 2021

ኵናት ትግራይ ናብ ከባቢ ሰሜን ሸዋ ኣስፋሕፊሕሉ፣ ናብ ከባቢ ከተማ ደብረብርሃን ተጸግዒሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንከንቲባ እታ ከተማ፣ ኣቶ ደስታ ኣንዳርጌ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለካ ብዝብል ጥርጣረ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ከምዝኣሰረ ማዕከናት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣቃሊሐን።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ’ውን ንኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ፣ ኮማንደር ታየ ሃብተጊዮርጊስ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብተመሳሳሊ ክሲ ከምዝኣሰሮ ይዝከር።

ሓይልታት ትግራይ ነታ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 130 ኪሎሜተር ንሰሜን ርሒቓ እትርከብ ደብረብርሃን ንምቁጽጻር መጥቃዕቲ ክፍንዉ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ እታ ከተማ ኣብ ከቢድ ወጥርን ሸበድበድን ከምእትርከብ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ይገልጹ።

መንግስቲ ንኩሉ’ቲ ናብታ ከተማ ዘእቱ መንገድታት ብምዕጻው፣ ህዝቢ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይሃድም ሕንፍሽፍሽ ከይፍጠርን ነበርታ ብምውዳብ ይሰርሕ እኳ እንተሎ፣ ነታ ከተማ ብምርሕራሕ ብዝተፈላለየ መንገድታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዝሃድም ዘሎ ህዝቢ ቁጽሪ እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ’ዩ ዝሕበር።

ሓይልታት ትግራይ፣ መጥቃዕታቶም ብምሕያል፣ ንከባቢ ደብረሲና ብምቁጽጻር፣ ናብ ደብረብርሃን ክግስግሱ ከምዝኽእሉ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ብወገን ክልል ዓፈር ብዝኸፈቶ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ትሕቲ እቶም ሓይልታት ንዝነበረ ከባቢታት ከምዘምለሰ ኣፍሊጡ።

እቲ ሰራዊት ምስ ፍሉይ ሓይሊ ዓፈር ብምውህሃድ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ዶብ ክልል ኣምሓራን ዓፈርን ንእትርከብ ኣገዳስቲ ከተማ ጭፍራ፣ ካብ ሓይልታት ትግራይ ብምምንዛዕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘእተዉ’ዩ ጠቒሱ።

ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚማ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 13 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባይ ረዲኤት ኮይኑ ይርከብ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0