ሱዳን፣ ሰራዊት’ታ ሃገር ‘ስሙ ንዘጸልሙ’ ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ክኸስስ ይዳሎ

Radio Erena: 20 July 2020

ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ስርዓት እታ ሃገር ነቐፌታ ዝጽሕፉ ጋዜጠኛታትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ክሲ ክምስርት ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ቤት ጽሕፈት እቲ ሰራዊት ብቀዳም 18 ሓምለ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ድሮ ሓደ ክኢላ ኮሚሽነር መዚዙ ከምዘሎ ብምሕባር፣ ምስ ወተሃደራዊ ኣኽባር ሕጊ ተሓባቢሩ፣ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ክገብር ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ 2019 ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ሓያሎ ሰባት ብሰራዊትን ኣባላት ጸጥታን ድሕሪ ምቕታሎም፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ወተሃደራዊ እዚ በበይኑ ዓይነት ጸቕጥታት ክግበር ጸኒሑ’ዩ።

ሱዳን፣ ብማእከላይ መንግስቲ ዝመሓደር ሰራዊት፣ ብምልሻ ጃንጃዊድ ዝፍለጥ ዝነበረ ሰራዊት ከምኡ’ውን ብኣልበሽር ዝመሓደር ዝነበረ ፍሉይ ሰራዊት ዝሓዘ ሰለስተ በበይኑ እዝታት ኣለዋ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0