ዚምባብወ፣ ምእሳር ጋዜጠኛታትን ተጣበቕቲ መሰላትን ይቕጽል

Radio Erena: 20 July 2020

መንግስቲ ዚምባብወ፣ ንምውሻብ ኣንጻር ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝጥሕሱ፣ ጋዜጠኛታትን ተጣበቕቲ መሰላትን ምእሳር ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።

ወሃብ ቃል’ቲ መንግስቲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ‘ጋዜጠኛታት እውን እንተኾኑ ኣብ ትሕቲ ሕጊ እዮም’ ብምባል፣ እቲ ምእሳር ክቕጽል ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ንፕረዚደንት ኤመርሰን መንጓጓ ዝነቐፈ ተቓዋሚ ከምዝተኣስረ ዝሓበረ ጋዜጠኛ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ እዩ። እቲ ጋዜጠኛ ክእሰር እንከሎ ዝተኸታተሎ ሰኣላይ ከኣ ሓደ መዓልቲ ድሒሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

ማሕበር ጠበቓታት ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ መንግስቲ ዚምባብወ፣ ነዚ ኣብ ገዛ ናይ ምውሻብ ዕድል ተጠቒሙ ዝኣስሮም ዘሎ ጋዜጠኛታት ጥራይ ዘይኮኑ፣ ብዛዕባ መሰል ደቂሰብ ዝተዛረቡ ጠበቓታት እውን ተኣሲሮም ከምዘለዉ ገሊጹ።

ደሞክራሲ ኣብ ዚምባብወ ክዕምብብ ዝቃለሱ ብማሕበር ዝተጠርነፉ መንእሰያት እውን ግዳያት ናይ’ዚ ማዕበል ኮይኖም ከምዘለዉ፣ ካብታ ሃገር ዝፍኖ ዘሎ ዜና የመልክት።

ፖለቲካውያን ሓይልታትን ተጣበቕቲ መሰላትን፣ ነዚ መንግስቲ ዚምባብወ ዝኽተሎ ዘሎ ስርዓት ብምቅዋም፣ ህዝቢ እታ ሃገር ናብ ጎደናታት ክወጽእ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0