ሱዳን፣ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ዝኽልክል ኣዋጅ ወግዓዊ ኮይኑ

Radio Erena: 13 July 2020

ኣብ ሱዳን ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ዝኽልክል ኣዋጅ ወግዓዊ ኮይኑ።

እቲ ቅድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ናብ ባይቶ ዝቐረበ እማመ፣ ነቶም ኣብቲ ፍጻሜ ዝሳተፉ ሰባት ዝወሃብ መቕጻዕቲ ክትዕ ድሕሪ ምክያዱ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ወግዓዊ ኮይኑ።

ብመሰረት’ዚ ሕጊ፣ ደቀንስትዮ ኣብ ምኽንሻብ ዝተታሕዘ ሰብ ክሳብ ናይ ሰለስተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ክብየነሉ እዩ። ብተወሳኺ ከምዚ ዓይነት ገበን ክፍጸመሉ ዝተረኽበ ቦታ ከም ክሊኒክ፣ ሆስፒታል ኮነ ናይ ውልቂ ትካል ጥዕና፣ ክዕሸግ እዩ።

ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝውቱር ምዃኑ ዝፍለጥ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ጥዕና ዘኸትሎ ነባሪ መጉዳእቲ፣ ኣብ ሕልናን ስነኣእምሮን ደቀንስትዮ ዘስዕቦ በሰላ፣ ዘይሓውይ ስምብራት እዩ ዝገድፍ።

እቲ እማመ ናብ ባይቶ ሱዳን ኣብ ዝቐረበሉ ኣብ ወርሒ ግንቦት፣ ተጣባቒት መሰላት ደቀንስትዮ ሱዳን ዘይነብ ባድረዲን፣ ‘እቲ ውሳኔ፣ ኣብ ክብሪ ደቀንስትዮ ሓደ ደረጃ ንቕድሚት እኳ እንተኾነ፣ ተሪፉና ዘሎ ጉዕዞ ግና ቀሊል ኣይኮነን’ ክትብል፣ ነቲ ኣብ ሃገራ ዘሎ ጾታዊ ዓመጽ ምግላጻ ዝዝከር’ዩ።

ዩኒሴፍ ዝርከቦም ሓያሎ ኣህጉራውያን ትካላት፣ ነዚ ባይቶ ሱዳን ዘሕለፎ ውሳኔ ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም ኣለዉ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0