ሱዳን፣ ምቛም ካቢነ ሚኒስተራት የካትዕ

Radio Erena: 02 September 2019

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፣ ዓብደላ ሓምዶቕ፣ 18 ዝኣባላቱ ካቢነ ሚኒስተራት ንምቛም፣ ተወሳኺ ግዜ ከምዘድለዮ ተገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ነቶም 13 ሚኒስተራት ክረቁሕ እንከሎ፣ ናይ ዝተረፉ ሓሙሽተ ግና ኣብ ክትዕ ወሪዱ ከምዘሎ ምንጭታት እታ ሃገር የመልክቱ።

ሓይልታት ለውጢ ንሓርነት ካብ ዝቐረብዎም ሕጹያት፣ ብፍላይ ንጽፍሒ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከሰማምዖም ከምዘይክኣለ ተሓቢሩ።

ምስቶም ሓይልታት ንለውጢ ብልፍንቲ መንግስቲ ኣቑሙ ዘሎ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ጽፍሕታት ሚኒስተራት ምክልኻል ውሽጣዊ ጉዳያትን ክሕዝኣሉ እንከሎ፣ ሚኒስተራት ቁጠባ፣ ጉዳያት ወጻኢን ዞባዊ ምምሕዳራትን ነቲ ሲቪላዊ ወገን ተዋሂቡ ኣሎ።

ይኹን’ምበር፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ንዝቐርቡ ዘለዉ ሕጹያት፣ ናብቲ ካቢነ ክጽንበሩ እንተኾይኖም፣ በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተቐባልነት ክረኽቡ ኣለዎም።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተራ፣ 18 ኣባላት ካቢነኡ፣ ንለውጢ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ምንቅስቓስ ልዑል ኣበርክቶ ዝነበረን ደቂንስትዮን ዝተነጸሉ ኣካላት ሕብረተሰብ እታ ሃገርን ዝሓቖፈ ክኸውን ከምዝደሊ’ዩ ዝንገረሉ።

ብሰንኪ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ክትዓት ድማ ካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገር ብምልኣት ክቐውም ኣይከኣለን።

ኣባላት ካቢነ ሚኒሰራት መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብወግዒ፣ ተረቑሖም ቃለ መሓላፍ ክፍጽሙ ትጽቢት ኣሎ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0