ምዕጢር፣ “ካብ ማእሰርቲ ክሃድሙ ፈቲኖም” ኣብ ልዕሊ ዝተባህሉ መንእሰያት ብዝተኸፍተ ቶዅሲ ሓያሎ ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ኮይኖም

Radio Erena: 02 September 2019

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምዕጢር ክሃድሙ ኣብ ልዕሊ ዝፈተኑ 30 ዝኾኑ መንእሰያት፣ ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ብዝፈትዎ ቶዅሲ፣ ሓያሎ ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ከምዝኾኑ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

ስድራቤት ናይ ሓደ ካብቶም ቆሲሎም ኣብ ግላስ ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ፣ ንሬድዮ ኤረና ብዝሃበቶ ሓበሬታ መሰረት፣ እቶም ክትሃድሙ ፈቲንኩም ተባሂሎም ቶኽሲ ዝተኸፍተሉ መንእሰያት፣ ብሓዋላ፣ ስግረ ዶብን ምኹብላልን ተጠርጢሮም ኣብ ጽኑዕ ማእሰርቲ ዝነበሩ’ዮም።

በቲ ዝተኸፍተቶም መጥቓዕቲ፣ ዝሞቱን ዝቆሱሉን ብዝሒ ብልክዕ ክፍለጥ እኳ እንተዘይተኻእለ፣ ብፒክ-ኣፕ መኪና፣ ጽዒኖም ንገሊኦም ናብ ከባቢ ባረንቱ ንገሊኦም ድማ ናብ ግላስ ከምዘብጽሕዎ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የመልክት።

ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ዘሎ ዘስካሕክሕ ኣተሓሕዛ፣ እሱራት ክሃድሙ ክፍትኑን፣ ንምሓዞም ድማ ቶኽሲ ክኽፈትን ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ተርእዮታት ምዃኑ ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0