ሱዳን፣ መስመር ጋልባት-መተማ ክኽፈት ብኢትዮጵያ ንዝቐረበ እማመ ከምዝነጸገት ተገሊጹ

Radio Erena: 06 January 2022

ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብቲ ተደጋጋሚ ግጭታት ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢታት ዶብ፣ ኣብ ሓለዋ ዝዋፈር ሓባራዊ ሰራዊት ንምቛም ኣብ ዝብል ዛዕባ ከምዝተዘያ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ብረቡዕ 05 ጥሪ ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ዘተ ክልቲኦም ወገናት፣ ብሰንኪ ‘ቲ ግጭት ተዓጽዩ ንዘሎ ዶባት፣ ንጎረባብቲ ህዝቢ ክልተን ሃገራት ክኽፈት ኣብ ዝብል ነጥቢ’ውን ምዝታዮም ተፈሊጢ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብ ምቛም ሓባራዊ ናይ ሓለዋ ኣሃዱ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ እንከለዉ፣ ዶባት ክኽፈት ኣብ ዝብል ነጥቢ ግና ኣብ ምርድዳእ ከምዘይበጽሑ ዝተፈላለዩ ወገናት ይጠቕሱ።

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፈ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ብኢትዮጵያ ንዝቐረበ፣ መስመር ጋልባት- መተማ ክኽፈት ዝብል እማመ ከምዝነጸጎ፣ ሱዳን ትሪቡን ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣቃሊሑ።

ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዶብ ሰጊሮም ወትሃደራት ሱዳን ዝቐተሉ ኣባላት ሰራዊትን ሚሊሻታትን ኢትዮጵያ ብሕጊ ክሳብ ዝሕተቱን፣ ኵናት ትግራይ ኣብ ሓደ መዕለቢ ክሳብ ዝበጽሕን፣ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውባ መስመር ክትከፍት ከምዘይትደሊ ምጋላጻ’ዩ እቲ ምንጪ ሓቢሩ።

ዘ ሪፖርተር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ግና ብኣንጻሩ፣ እቲ ንኢትዮጵያን ሱዳንን ዘራኽብ ኣገዳሲ መስመር ካብ ሓሙስ 06 ጥሪ ኣትሒዙ ክኽፈት፣ ክልቲኦም ወገናት ከምዝተሰማምዑ’ዩ ጠቒሱ።

ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዝተፈነወላ መጥቃዕቲ ሓያሎ ወትሃደራታ ከምዝተቐትሉን ዝቖሰሉን ክትገልጽ ዝጸንሐት ሱዳን፣ ካብ ሓምለ 2021 ኣትሒዛ ነቲ ኣብ ንግድን ማሕበራዊ ርክባትን ኣገዳሲ ዝኾነ መስመር ጋልባት-መተማ ዓጽያቶ ትርከብ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ብጉዳይ እቲ ኣብ ዶብ ዝርከብ ዞባ ኣልፋሺጋ ክሰሓሓባ ከምዝጸንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ካብ 6 ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ሰራዊት ሱዳን ንዝበዝሐ እቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ከምዝተቖጻጸሮ ይፍለጥ።

እቲ ወጥሪ እናዓረገ ኣብ ዝመጽኣሉ፣ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ዘተ ንምቕራበን፣ ዞባውን ኣህጉራውያን ተበግሶታት እኳ እንተተወስደ፣ ሰራዊት ሱዳን ናብቲ ቅድሚ 06 ሕዳር  2020 ዝነበሮ ከባቢታት ከይስሓበ ዝርርብ ከምዘይህሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክነጽግ ጸኒሑ።

መንግስቲ ሱዳን ብወገኑ፣ ሰራዊት ሱዳን ዝተቖጻጸሮ ከባቢታት፣ ንልዕሊ 26 ዓመታት ብኢትዮጵያ ተጎቢጡ ዝጸንሐ ሉኣላዊ ክፋል ሱዳን ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ከምዘይስሕ ኣነጺሩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ሱዳን ንሓይልታት ትግራት ትድግፍ ኣላ ዝብል ወቐሳታት ብወገን ኢትዮጵያ ክስማዕ ጸኒሑ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0