ኣመሪካ፣ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትምዝዝ’ያ

Radio Erena: 05 January 2022

ብምምሕዳር ባይደን፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ፣ ዝተመዘዘ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፌልትማን፣ ድሕሪ ናይ ትሽዓተ ኣዋርሕ ስራሕ፣ መዝነቱ ክሓድግ ምዃኑ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ምስ ምውላዕ ኵናት ትግራይ ዝተመዘዘ ፍሉይ ሉኡኽ፣ ኣብ ወመዳእታ ናይዚ ወርሒ፣ መዝነቱ ከረክብ ምዃኑ እቲ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ቱርኪ ዝነበረ፣ ዳቪድ ሳተርፊልድ ድማ ንኣምባሳደር ፈልትማን ብምትካእ፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ክሰርሕ’ዩ።

ኣምባሳደር ፌልትማን፣ ካብ መዝነቱ ዝእለየሉ ዘሎ ምኽንያት ኣይተነጸረን።

እቲ ኣምባሳደር፣ ንትሽዓት ኣዋርሕ፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ፣ ብዘይካ ምስ ኤርትራ፣ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ፣ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያን ሃገራት እቲ ዞባ ን ብዝምልከት ተመያይጡ’ዩ።
=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0