ሱዳን፣ ሓይሊ ንናጽነትን ደሞክራሲን ምስ ወተሃደራዊ ጉጅለ ምዝታዩ፣ ህዝቢ ተቓዊሙ

Radio Erena: 20 November 2022
ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ሱዳን፣ ምስቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ብዛዕባ ዝገበሮ ሓድሽ ስምምዕ ብዝምልከት ምስ ሲቪካውያን ማሕበራት ኣኼባታት የካዪድ ምህላዉ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ፣ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት፣ ብማሕበር ጠበቓታት ዝተኣመመ ግዚያዊ ቅዋም ክቕበል ኣብ ዝብል ነጥብታት ከምዝተሰማመዐ፣ ኣቐዲሙ ተገሊጹ እዩ።
እንተኾነ ኣብ ልዕሊ’ቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ዘለዎም ጥርጣረታት ክገልጹ ዝጸንሑ ሓያሎ ተጣበቕቲ መሰላትን በርጌሳውያን ማሕበራትን፣ ብዛዕባ’ቲ ስምምዕ መብርሂ ንምርካብ፣ ንሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ሱዳን ሕቶታት ከቕርቡ ጸኒሖም’ዮም።
ድሕሪ’ቲ ኣኼባታት ገለ ማሕበራት ኣብ ዝህቡዎ ዘለዉ መግለጺታት፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ዘለዎም ጥርጣረታት ገና ከምዘይተኣልየ ብምግላጽ፣ ተግባራውነቱ ዘይጭበጥ ውዕል’ዩ ክብሉ ቃሎም ሂቦም።
24 ሰዓታት ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ምኽታሙ፣ ኣብ ከተማታት ካርቱም፣ ኡምዱርማን፣ ሰሜን ካርቱምን ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝወጸ ማዕከናት ዜና ሱዳን ሓቢረን።
እቲ ምስ ወተሃደራዊ ጉጅለ ንዝተኻየደ ስምምዕ ንምቅዋም ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ህዝቢ፣ ‘ምስ ዕልዋ ዘካየደ ጉጅለ ምዝታይ ንቃወም’ ብምባል፣ ኣብ እዋን ሰላማዊ ሰልፊ ብሓይልታት ጸጥታ ናይ ዝተቐትሉን ዝዓነወ ንብረትን ካሕሳ ንምኽፋል ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ደኣምበር፣ ዘተ ኣየድልይን ክብሉ ጭርሖኦም ኣልዒሎም።
ሓይልታት ጸጥታ፣ ንሰሜን ካርቱም ዘእቱ መንገድታት ኣብ ምዕጻውን፣ መንግስታውያን ቤት ጽሕፈታት ኣብ ምሕላውን ብብዝሒ ተዋፊሮም ኔሮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0