‘ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከይወጸ፣ ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ትህቦ ዝነበረት ሓለፋ ኣይትቕጽሎን እያ’ ሞሊ ፊ

Radio Erena: 20 November 2022

ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ቁጠባውን ናልምዓት መደባትን ክትቅጽሎ እንተኾይና፣ መጀመሪያ ፈደራላዊ መንግስቲ፣ ነቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ውዕል ንዘተ ሰላም ተግባራውነቱ ከረጋግጽ ኣለዎ ክትብል ሞሊ ፊ ገሊጻ።
ተሓጋጋዚት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ሞሊ ፊ ነዚ ዝገለጸት፣ ኮሚቴ ወጻኢ ጉዳያት ንፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ብዝምልከት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ንምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብ ዝቐረበ ሕቶ፣ ምላሽ ኣብ ዝሃበትሉ እዋን’ዩ።
ንሳ ኣብ መግለጺኣ፣ ‘ኩሎም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወጹ’ ተባሂሉ ኣብ ስምምዕ ንዘተ ሰላም ፕሪቶርያ ሰፊሩ ዘሎ፣ ንሰራዊት ኤርትራ እውን ከምዝምልከት ሓቢራ።
በዚ መሰረት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከምዝወጽእ እንተዘይገይሩ፣ ምስቲ መንግስቲ ዝነበረ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ናይ ልምዓት መደባትን ክቕጽል ከምዘይኮነ ኣፍሊጣ።
ብፍላይ’ቲ ንሃገራት ኣፍሪቃ ንምሕጋዝ ዝወጸ ብኣጎዋ ዝፍለጥ፣ ብዘይቀረጽ ናብ ኣመሪካ ንብረት ክኣቱ ዝፈቅድ ፕሮግራም፣ ኢትዮጵያ ዝነበራ ሓለፋ ዳግማይ ክወሃባ፣ ብባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ዝወሃባ ሓገዝ ክቕጽል እንተኾይኑ ኣብ ተግባራውነት’ቲ ስምምዕ ንዘተ ሰላም ከምዝምርኮስ ሞሊ ፊ ገሊጻ።
ብካልእ ወገን፣ ብዘይካ ፈደራላዊ ሰራዊት፣ ካልእ ኩሎም ብረት ዝዓጠቑ ሓይልታት፣ ዕጥቆም ከውርዱ ኣብ ስምምዕ እኳ እንተተበጽሐ፣ ተግባራዊ ክኸውን ግና ካብቲ ዝተመደበሉ ግዜ ዝያዳ ክኸይድ ከምዝኽእል፣ ሚኒስተር ዜናን መራኸቢታትን ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሰ ቱሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።
‘ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ስምምዕ ዝኸተመ ህወሓት ደኣምበር ንሕና ኣይኮናን ዝብሉ ከም ባይቶና ዝኣመሰሉ ገለ ሓይልታት ትግራይ፣ በቲ ስምምዕ ከምዘይቅየዱን፣ ዕጥቆም ከምዘየውርዱን ይገልጹ ብምህላዎም፣ ተግባራውነት’ቲ ስምምዕ ከይፈሽል ሻቕሎት ሓያሎ ወገናት ምዃኑ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0