ሱዳንን ግብጽን ኣብ ዶባዊ ምስሕሓብ

ሱዳንን ግብጽን ኣብ ዶባዊ ምስሕሓብ

Radio Erena: 09 October, 2014

Sudan and Egy

ኣብ መንጎ ሱዳንን ግብጽን ብጉዳይ ዶብ ሓድሽ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ኻርቲ ብዛዕባ ዝተፈላለየ ጉዳያት ንምዝርራብ ካይሮ ኣትዩ።

እቲ ሚኒስተር ትማሊ ሮቡዕ 8 ጥቕምሪ ካይሮ ድሕሪ ምእታዉ፣ ምስ ግብጻዊ መዘንኡ ሳሚ ሹክሪን ካልኦት ሰበ ስልጣን መንግስትን ተዘራሪቡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ኻርቲ፣ ቀንዲ ካብ ዕላማታት መገሽኡ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብዚ ቀረባ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ወግዓዊ ዑደት ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ንምዝርራብ ምዃኑ’ውን ማዕከናት ዜና ሱዳን ይሕብራ።

 

ሱዳን ኣብ 2015 ኣብ ዝካየድ ምርጫ፣ ነቲ ኣብ ትሕቲ ግብጺ ዝርከብ ከም ሉኣላዊ ክፋላ እትገልጾ ዞባ ሓላየብ፣ ክምለሰላን ሓድሽ ኣብ እተዳልዎ ካርታ ከኣ ከም ኣካላ ከተስፍራ ምዃናን ድሕሪ ምግላጻ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ሓድሽ ወጥሪ ተኸሲቱ ይርከብ።

ዞባ ሓላየብ፣ ካብ መፋርቕ 1990 ኣትሒዙ ኣብ ትሕኢ ምሉእ ወትሃደራዊ ምቁጽጻር ግብጺ ድሕሪ ምእታዉ፣ ሱዳን እቲ ጉዳይ ናብ ኣህጉራዊ ዳንነት ክቀርብ እኳ እንተጸውዐት፣ ካብ ግብጺ እወታዊ ምላሽ ኣይረኸበትን።

መራሕቲ ሱዳንን ግብጽን ብዘይካ’ዚ ናይ ዞባ ሓላይብ ጉዳይ ኣብ ምስግጋር መሸጣን ዘይሕጋዊ ኣጽዋርን ደቂ ሰብን ከምኡ’ውን ኣብ ጉዳይ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ብዝምልከት ሓያሎ ዛዕባታት ከልዕሉ ምዃኖን ይግለጽ።

==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0