ሱዳንን ግብጽን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ዘተ የካይዳ

ሱዳንን ግብጽን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ዘተ የካይዳ

Radio Erena: 09 August 2018

egypt and sudan chiefsሱዳንን ግብጽን፣ ኣብ ካርቱም፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ዘተ የካይዳ ከምዘለዋ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሱዳን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ካብ ሰሉስ 7 ነሓሰ ዝጀመረ ወትሃደራዊ ዘተ፣ ብወገን ግብጺ፣ ጠቕላሊ ሓለቃ ስታፍ ሰራዊት፣ ለተናንት ጀነራል መሓመድ ፋሪድን ሜጀር ጀነራል ኻሊድ ላቢብን ዝመርሕዎ ወትሃደራዊ ልኡኽ ክሳተፍ እንከሎ፣ ለተናንት ጀነራል ሒሻም ዓብደልሙጣላብ ኣሕመድ ከኣ ንሱዳን ዝወከለ ሰራዊት ይመርሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ዕላማ’ቲ ዘተ፣ ንክልቲኤን ሃገራት ጸጥታ ዶባተንን ዘዋስነን ክሊ ማያት ቀይሕ ባሕርን ብሓባር ናይ ምውሓሱ ተኽእሎታት ንምንዳይ’ዩ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ካርቱም ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ኣብ ወተሃደራውን ጸጥታን መዳይ ብሓባር ክሰርሑ ዘኽእሎም ስምምዕ ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽር ከምዝኸተመ ኣይርሳዕን።

ሱዳንን ግብጽን ብጉዳይ ዋንነት ሓላይብን ኣጠቓቕማ ናይልን ክሰሓሓባ ድሕሪ ምጽናሕ’የን፣ ናብ ሓባራዊ ናይ ጸጥታን ወትሃደራውን ስምምዓት በጺሐን ዘለዋ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0