ሱዳንን ቀጠርን፣ ወትሃደራዊ ዝምድንአን ይግምግማ

ሱዳንን ቀጠርን፣ ወትሃደራዊ ዝምድንአን ይግምግማ

Radio Erena: 18 October 2018

sudan_qatar militaryሱዳንን ቀጠርን፣ ዘለወን ወትሃደራዊ ዝምድና ገምጊመን።

ጋልፍ ኒውስ ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ቀጠር፣ ሉዩተናንት ጀነራል ጋነም ቢን ሻሂን ኣል ጋነም ምስ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ሉዩተናትን ጀነራል ከማል ዓብደልማዕሩፍ ኣል ማሂ ተራኺቦም’ዮም ነቲ ዝምድና ገምጊሞሞ።

ርክብ ክልቲኦም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ቀጠር’ዩ ተኻይዱ።

ብዘይካ’ዚ፣ ቀጠርን ቱርኪን’ውን ተመሳሳሊ ርክብ ምክያደን እቲ ምንጪ ጠቒሱ።

ጎኒ ጎኒ’ቲ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳንን ቀጠርን ዘካየድዎ ርክብ፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ቱርኪ ጀነራል ያሳር ጉለር’ውን ሃገሩ ምስ ቀጠር ዘለዋ ወትሃደራዊ ዝምድና ብዕምቆት ገምጊሙ።

ቀጠርን ቱርኪን፣ ብዘይካ’ቲ ወደብ ሱዋኪን ናይ ሱዳን ንምሕዳስን ምስፋሕን ዘካይድኦ ዘለዋ መደባት፣ ኣብቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ገማግም፣ ቀዋሚ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ የቑማ ምህላወን’ዩ ዝግለጽ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0