ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ሶማል በጺሖም

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ሶማል በጺሖም

Radio Erena: 18 October 2018

FM eri_eth_somሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ሶማል በጺሖም።

ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን፣ ብሮቡዕ 17 ጥቅምቲ ናብ ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ዝኣተውሉ፣ መዘንኦም ኣሕመድ ዒሰ ዓዋድ ተቐቢልዎም።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሰለስቲኤን ሃገራት፣ ርክብ ዘካይዱ ዘለዉ፣ ነቲ ክካየድ ዝውጠን ዘሎ ዋዕላ ሰላም መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምውህሃድ ምዃኑ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ይሕብሩ።

ሚኒስተራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ናብ ሶማል ተመሳሳሊ ምብጻሕ ከምዘካየዱ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ንጅቡትን ኤርትራን ንምቅርራብ ዝዓለመ ምንባሩ ይዝከር።

ዋዕላ ሰላም መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሞቛድሾ ክካየድ ተወጢኑ ከምዘሎ ዝሓበሩ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ክሳተፍኦ’የን።

ኣብቲ ዕለቱ ገና ዘይተሓበረ ርክብ መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ጅቡቲ’ውን ክትሳተፍ ትጽቢት ኣሎ።

ሱዳን፣ ግና ብዛዕባ ክትሳተፍ ምዃና ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን፣ ከም ኣውሓስቲ ሰላምን ወኪላትን ክልእካ ከምዝኽእላ ይግመት።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0