ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ የካይዳ ኣለዋ

Radio Erena: 30 November 2022

ሓይልታት ባሕሪ ሱዳንን ስዑዲ ዓረብ፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ የካይዳ ከምዘለዋ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ ሓቢሩ።

እቲ ‘ፋልክ 5’ (Fulk 5) ዝተሰምየ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ክሊ ማያት ሱዳን ይካየድ ከምዘሎ ተገሊጹ።

እቲ ካብ 27 ክሳብ 30 ሕዳር፣ ዝካየድ ዘሎ ልምምድ፣ ተሞክሮታት ኣብ ምልውዋጥ ዝሕዝግ ምዃኑ ሰራዊት ሱዳን ኣፍሊጡ።

ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት፣ ‘ፉልክ 4’ (Fulk 4) ዝተሰምየ ተመሳሳሊ ልምምድ ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ ጀዳ፣ ኣብ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ስዑዲ ዓረብ ከምዝተኻየደ ይዝከር።

እዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ልምምድ ድማ መቐጸልታ ናቱ ምዃኑ ዝጠቐሰ ሰራዊት ሱዳን፣ ኣሃዱታት ሓይሊ ባሕሪ ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ 26 ሕዳር ኣትሒዞም ኣብ ፖርት ሱዳን ከምዝርከቡ ኣረጋጊጹ።

እቲ ልምምድ፣ ኣብ ሓለዋ ባሕሪን ምክልኻል መራኽብ ካብ መጥቃዕትን ከምዘጠቓልል’ዩ ተመልኪቱ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0